12 ከም ምትማም ባሕሪ ንዝተሙ፥ ከም ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ዝብል ድምፂ ዘስምዑ ህዝቢ ወይለኦም!
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ውሕጅ ዓመፅውን ኣፍርሐኒ፤
ድምፂ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፤ ኣምላኽ ክብሪ ኣንጐድጐደ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
እንሆ፥ ፀላእትኻ ኣውክዑ፤ እቶም ዝፀልኡኻውን ርእሶም ኣልዓሉ።
ድምፂ ወኻዕታ፥ ከም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ እምባታት ኣሎ፤ ድምፂ እቶም እኩባት መንግስታት ኣህዛብ ይሃምም ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፥ ነቶም ሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ።
ፍትሒ፥ ንመዐቀኒ ገመድ፤ ፅድቂ ድማ፥ ንመለክዒ ቱምቢ ኽገብር እየ።” በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ።
ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ።
ኵሉ መንገዲ ጫማታት ሰብ ኲናትን፥ ብደም ዝተኣለኸ ኽዳውንትን ክነድድ፥ መሳወሪ ሓዊ ኾይኑውን ክቓፀል እዩ።
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”
እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።
ዳንኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ለይቲ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨዉ ነበሩ።
ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ።
ታቦት ክለዓል እንተሎ፥ ሙሴ “ኦ ጐይታ! ተስእ፤ ፀላእትኻ ኸዓ ፋሕ ይበሉ። እቶም ዝፀልኡኻ ድማ ኻብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ።
“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።