11 ግና በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ እኳ እንተ በቘለ፥ ብፅባሒቱውን እንተ ዓምበበ፥ በታ መዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን፥ እቲ ቐውዒ ኸንቱ ክኸውን እዩ።
ኣነ ኸም ዝረአኹዎ፦ እቶም ሓጢኣት ዝሓርሱ፥ መከራውን ዝዘርኡ፥ ንእኡ እዮም ዝዓፅዱ።
ብንጉሆ ይበቍል፥ ይሓልፍውን፤ ኣጋ ምሸት ግና ፀምልዩ ነቒፁ ይወድቕ።
ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ።
ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”
ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ።
ኤፍሬም ተወቕዐ፤ ሱሩውን ነቐፀ፤ ፍረ ድማ ኣየፍርን። እንተ ወለዱውን፥ ነቶም ፍረ ኸርሶም ክቐትሎም እየ።
እቲ ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ምድሪ በስበሰ፤ እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ ቖፎታት ጥራሖም ኮኑ፤ ማዕከናትውን ፈረሱ።
ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
ወይኒ ኽትተኽሉ፥ ክትኵስኵስዎውን ኢኹም፤ ግና ሓሰኻ ኽበልዖ እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይትሰትዩሉን፤ ሓደ እኳ ኣይትእክቡን ኢኹም።