10 እስራኤል፥ ንኣምላኽ ምድሓንኪ ረሳዕኺዮ፤ ነቲ ፅኑዕ ኰዅሒ ሓይሊ ዝኾነልኪ ኸዓ ኣይዘከርክዮን፥ ስለዙይ ደስ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፥ ጋሻ ዝኾነ ዘርኢ እውን ትዘርኢ ኣለኺ።
“ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፥ ብምውዳስካውን ምእንቲ ኽንምካሕስ፥ ኣታ ናይ ምድሓንና ኣምላኽ ኣድሕነና፤ ካብ ኣህዛብ ከዓ ኣኻኽበናን ኣናግፈናን” በልዎ።
ቀልጢፎም ንስራሑ ረስዕዎ፤ ብምኽሩውን ኣይተዓገሱን።
ነቲ ኣብ ግብፂ ዓብዪ ተኣምራት ዝገበረ፥ ንዘድሓኖም እግዚኣብሄር ረስዕዎ።
እግዚኣብሄር ከውሐይ፥ ዕርደይን መድሓኒየይን እዩ፤ ኣምላኸይ፥ ብእኡውን ዝእመነሉ ረዳእየይ፥ መተኣማመኒየይን ቀርኒ ምድሓነይን መፀግዕየይን እዩ።
እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ቀልጢፍካውን ኣድሕነኒ፤ ምእንቲ ኽተድሕነኒ መተኣማመኒ ኣምላኽን፥ መፀግዒ ቤትን ኩነኒ።
ቤተ መቕደስካ ቅዱስ እዩ፤ ብፅድቅውን ዘደንቕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ወሰን ምድርን ኣብ ውሽጢ ርሑቕ ባሕርን፥ ንዘለዉ ዅሎም ተስፋኦም ዝኾንካ፥ ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና።
ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን፥ ርድአና፤ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ኢልካ፥ ኦ ጐይታ ኣናግፈና፤ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
ኦ ኣምላኽ ምድሓንና፥ ምለሰና፤ ንቝጥዓኻውን ካባና መልስ።
ሓጥኣን ናብ ሲኦል ክምለሱ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ዝረስዕዎ ዅሎም ኣህዛብውን።
እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምተን ኣሞራውያንን ኤዊያውያንን፥ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እትሓድጋ ቦታታት ዝባደማ፥ እተን ፅኑዓት ከተማታት ክባድማ እየን።
ቅድሚ ቐውዒ፥ እዋን ዕምበባ ምስ ሓለፈ፥ ዕምበባ ኸዓ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ በፅሐ፥ ንሓረግን ንጫለዳ ሱርን፥ ካብ ተኽሊ ወይኑ ብቐሊሉ ቘራሪፁ ኸወግዶ እዩ።
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም እምባ እዩሞ፥ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተኣመኑ።
ንስኻትኩም ግና ኸምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ እምባ እግዚኣብሄር ናብቲ ኰዅሒ እስራኤል፥ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ እንተለዉ፥ ከምኡ ናይ ልቢ ደስታ ክኾነልኩም እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።
ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፤ ብቐደሙዶ ኣይነገርኩኹምን እየ? ወይ ኣየርአኹኹምን ድየ? ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም። ብዘይ ዘኣይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ? ካልእ ኰዅሒ የለን፤ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን።”
ነቲ ንሰማያት ዝዘርግሐ፥ ንምድሪ ኸዓ ዝመስረተ፥ ፈጣሪኻ እግዚኣብሄር ረሲዕኻ፤ ኵልሻዕ፥ ምሉእ መዓልቲ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንምጥፋእኻ ዝተዳለወ ገፋዒ፥ ትፈርሕ ኣለኻ፤ ቍጥዓ እቲ ገፋዒኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዅላ ምድሪ ይእውጅ ኣሎ፦ “ንጓል ፅዮን ‘እንሆ፥ ምድሓንኪ ይመፅእ ኣሎ፤ እንሆ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፤ ዓስቡ ድማ ቐቅድሚኡ ኣሎ’ በልዋ።”
ስርናይ ዘርኡ፤ እሾዅ ድማ ዓፀዱ፤ ብዙሕ ፀዓሩ፤ ጥቕሚ ግና ኣይረኸቡን፤ ካብ ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።”
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
ጐርዞ ሽልማታ፥ መርዓት ከዓ ኽዳን መርዓኣዶ ትርስዕ እያ? ህዝበይ ግና ቝፅሪ ንዘይብሉ መዓልቲታት ረስዐኒ።
መንገዶም ስለ ዘበላሾዉን፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝረስዑን፥ ድምፂ ብኽያትን ምህለላን ደቂ እስራኤል፥ ኣብ እምባታት ተሰምዐ።
ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፥ ኣባኺ ጉቦ ተቐበሉ፤ ኣኻዕበትክን ኣሀረፅክን፤ ብዓመፅ ካብ ብፃይኪ ረባሕኺ፤ ንኣይውን ረሳዕኺ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኺ ረሲዕኽኒ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፥ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ፁሪ።”
ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።
“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”
እቲ ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ምድሪ በስበሰ፤ እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ ቖፎታት ጥራሖም ኮኑ፤ ማዕከናትውን ፈረሱ።
ኣነ ድማ ኸምዙይ ክገብረኩም እየ፦ ሽብርን ዘመንምንን ነዒንቲ ዘሕምቕን ንሰብነት ዘድክም ረስንን ክሰደልኩም እየ። ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ፤ ፀላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ።
ምድሪኹም እኽላ ኣይትህብን፤ ኦም ምድሪ እውን ፍረኣ ኣይትህብን እያ እሞ፥ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ።
ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም።
ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።
ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።”
“ሰበይቲ ኽትሕፀዩ ኢኹም፤ ግና ኻልእ ምስኣ ኽድቅስ እዩ፤ ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፤ ግና ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ወይኒ እውን ክትተኽሉ ኢኹም፤ ግና ኻብኡ ፍረ ኣይትእክቡን ኢኹም።
“ያእቆብ ግና በልዐ ሃጠረ እሞ ተራግሐ፤ ሰብሐ፥ ገዘፈ፥ ሰፍሐ፤ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ሓደጎ፤ ንኰዅሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
ንዝወለዶም ብርቱዕ መድሓኒ፥ ሓደግዎ፤ ንዝፈጠሮም ኣምላኽውን ረስዕዎ።”
ኣምላኽና ከም ኣማልኽቶም ኣይኮነን፤ ፀላእትናውን ሰናፋት እዮም።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
ነዝ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕግጋቱን ብዘይ ምሕላውኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትርስዕዎ ተጠንቀቑ።
ሽዑ ልብኹም ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት፥ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኸይትርስዑ።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ረሲዕኹም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ተኸቲልኩምን እንተ ኣምሊኽኩምዎምን፥ እንተ ሰጊድኩምሎምን ብርግፅ ከም እትጠፍኡ፥ ሎሚ ኣሰምዐልኩም ኣለኹ።