9 ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።
ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕኻዮ፥ ንሓጐሶምውን ወሰኽካሉ፤ ሰባት ምህርቲ እንትእክቡ፥ ምርኮውን እንትካፈሉ ደስ ከም ዝብሎም፥ ንሳቶም ኣብ ቅድሜኻ ኽሕጐሱ እዮም።
እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።
ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ።
ርእሶም ክላፅዩልኪ፥ ከሊ ኽዕጠቑልኪ፥ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ክበኽዩልኪ እዮም።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብፂ ኣልቅሰሉ፤ ንኣኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትንውን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ደርብየን።”
ናብ ገራሁ ድማ ወፈሩ፤ ወይኖም ቈሪፆም ከዓ ፀመቑ፤ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፤ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፤ ንኣቢሜሌክውን ፀረፍዎ።