8 እቲ ኣብ ጥቓ ሄስቦን ዝነበረ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይኒ ሲባማን ፀምልዩ እዩ። እቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ዝሰባበርወን ጨናፍር ክሳዕ ኢያዜር በፂሑ ዝነበረ፥ ብወገን ምብራቕ ክሳዕ ናብ ምድረ በዳ ወፂኡ ነይሩ። ብወገን ምዕራብ ከዓ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው በፂሑ ዝነበረ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ገዛእቲ ኣህዛብ ቈራረፅዎ።
ኣቱም እምባታት ጊልቦዓ! ዋልታ ሓያላት ኣብኡ ወዲቑ እዩሞ፥ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብአ፥ ኣባኻትኩም ተደርቢዩ እዩ እሞ፥ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፤ ኣባኻትኩም ከዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም።
ንሱ ግና ኸምኡ ኣይሓስብን፤ ብልቡውን ከምኡ ኣይመስሎን፤ ግና ምጥፋእን ውሑዳት ንዘይኮኑ ኣህዛብ ምቍራፅን ኣብ ልቡ ኣሎ።
ሓሴቦንን ኤልያሊን የእውዩ ኣለዉ፤ ድምፆም ከዓ ኽሳዕ ያሃፅ ይስማዕ ኣሎ፤ ስለዙይ ሰልፈኛታት ሞኣብ ኣእወዩ። ነፍሳ ኣብ ውሽጣ ተንቀጥቀጠት።
ስለዙይ ከምቲ ንኢያዜር ዝበኽየላ ዘለኹ፥ ንኣታኽልቲ ወይኒ ሴባማውን እበኽየሉ ኣለኹ። ኣብ ፍረ ሓጋይ፥ ኣብ ቀውዒ፥ ወኻዕታ ድምፂ ዂናት ወዲቑኪ እዩ እሞ፥ ኦ ሄስቦን፥ ኦ ኤልያሊ፥ ብንብዓተይ ኣተርክሰክን ኣለኹ።
ተኽሊ ወይኒ በኸየት፤ ጕንዲ ወይኒ ኸዓ ደኸመት፤ እቶም ሕጉሳት ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ ሕዚ ይትክዙ ኣለዉ።
ኦ ወይኒ ሴባማ! ኻብ ንኢያዜር ዝበኸኹሎም ኣብሊፀ ንኣኺ ኽበኽየልኪ እየ። ጨናፍርኪ ባሕሪ ተሳጊሩ፥ ክሳዕ ባሕሪ ኢያዜር በፅሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ቀውዒ ወይንኽን መፀ።
ሙሴ፥ ዝስልሉ ሰባት ናብ ያዕዘር ምስ ሰደደ፥ ነቶም ኣሞራውያን ኣውፂኡ ነተን ዓድታት ሓዘን።
“እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና።
ዓጥሮት ሾፋን፥ ኢያዜር፥ ዮግብሃ፥
ናባ፥ በዓል ሜዖን (እዝ ስም እዙይ ተለዊጡ እዩ)፥ ሲብማን ዝበሃላ ኸተማታት ከም ብሓድሽ ሰርሕወን፤ ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከዓ ኻልእ ስም ኣውፅኡለን።
ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥
ወሰኖም ኢያዜርን ኵለን ከተማታት ገለዓድን ፍርቂ ምድሪ ደቂ ኣሞን ክሳዕ እታ ኣብ መንፅር ረባት ዘላ ዓሮዔር ነበረ።