Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 16:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 16:6
17 Referencias Cruzadas  

ዕቡይን ምኩሕን ሰብ “መላገፂ” እዩ ስሙ፤ ንሱ ብትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።


ብዛዕባ ሞኣብ ዝተነግረ ሸኽሚ፥ ኣየ፥ እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዒር፥ ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት!


ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።


ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።


ከምቲ ሓማሳይ ክሕምስ እንተሎ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ማእኸሉ ኣእዳዉ ኽዝርግሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንትዕቢቱን ንተንኰል ኣእዳዉን ከዋርዶ እዩ።


ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥


እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም።


ንምልክት ሓሰውቲ፥ ከንቱ እገብሮ፤ ንጠንቈልቲ አዕብዶም፤ ንጥበበኛታት ንድሕሪት እመልሶም፤ ንፍልጠቶም ከዓ ናብ ዕሽነት እልውጦ።


“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?


እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን።


ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዓቢዩሉ እዩሞ፥ ህዝቢ ኻብ ምኳን ክጠፍእ እዩ።


ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓያሹ ዝኾኑ ሓሰውቲ ነቢያታ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ክዕሸዉ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑኣ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ኽድንግፁ እዮም።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።


ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos