5 ዙፋን ምሕረት ክምስረት፥ ኣብኡውን ዝፈርድን፥ ቅንዕና ዝደልን፥ ፅድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥ እዩ።
ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤ እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤ እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥ እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥
ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።
ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”
እቲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈቐደ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዘፍቀሮ፥ ፍትሕን ሓቅን ምእንቲ ኽትህብ፥ ንጉስ ክትከውን ሸመካ” በለቶ።
ሕዝቅያስ ከዓ ኣብ ኵሉ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ።
ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፤ ፅድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ።
መሰረት ዙፋንካ ፅድቅን ፍትሕን እዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ቀቅድሜኻ ይኸዱ።
ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
ንሱ ኣብ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
ክቡር ንጉስ ፍትሒ ይፈቱ፤ ንስኻ ንቕንዕና ኣፅናዕኻያ፤ ንስኻ ፍትሕን ፅድቅን ንያእቆብ ገበርካ።
ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልውዎ፤ ዙፋኑ ድማ ብቕንዕና ትፀንዕ።
ንድኻታት ብሓቂ ዝፈርድ ንጉስ፥ ዙፋኑ ንዘለኣለም ይፀንዕ።
ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።
እንሆ፥ ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ።
ነታ ሓንካስ ንተረፍ ነታ ናብ ርሑቕ ዝተሰጐት ከዓ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብራ እየ፤ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ እምባ ፅዮን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ እዩ።”
ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።