Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 16:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14 ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር “ዝተዓስበ ሰብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ብሰለስተ ዓመት እቲ ዅሉ ኽብሪ ሞኣብን፥ ብዝሒ ህዝባውን ክዋረድ እዩ። ካብዝ ብዙሕ ህዝባ ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም። እቲ ዝተረፈ ህዝባውን ውሑድን ድኹምን ክኸውን እዩ” ይብል።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 16:14
18 Referencias Cruzadas  

ደቂ ላባ “እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፤ ኵሉ እዝ ሃብቲ እዙይ ከዓ ኻብ ኣቦና ዝረኸቦ እዩ” ኢሎም ክዛረቡ እንተለዉ ያእቆብ ሰምዐ።


ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፥ ንጉስ ብዅሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕን ሓሻኽር ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎ ነገሮም።


ንሱ ኸም በዓል ውዕለት፥ መዓልቱ ኽሳዕ ዝፍፀም ክዓርፍስ፥ ቁሩብ ካብኡ ዘወር በል።”


“ህይወት ሰብ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ሰልፊዶ ኣይኮነን? መዓልትታቱኸ ኸምቲ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን?


ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም።


ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።


እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሞኣብ ቀደም ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ።


ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክብሪ ያእቆብ ክትሕት እዩ፤ ህጥራን ስጋኡውን ኽዓብር እዩ።


ጐይታውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዕሱብ መዓልቲ ኸም ዝቘፅር፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኵሉ ኽብሪ ቄዳር ክጠፍእ እዩ።


ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።


ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።


ከምቲ ሓማሳይ ክሕምስ እንተሎ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ማእኸሉ ኣእዳዉ ኽዝርግሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንትዕቢቱን ንተንኰል ኣእዳዉን ከዋርዶ እዩ።


እቲ ህፃን ንኽፉእ ምእባይ ንሰናይ ከዓ ምሕራይ እንተይፈለጠ፥ ሃገራት እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ኽልተ ነገስታት ክባድማ እየን።”


ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዓቢዩሉ እዩሞ፥ ህዝቢ ኻብ ምኳን ክጠፍእ እዩ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።


ኢድኩም ዘርጊሕኹም ደኣ ብልግሲ ሃብዎ፤ ዘድልዮ ኸዓ ኣለቅሕዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos