11 ስለዙይ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፥ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ፥ ከም መሰንቆ ይቝዝም ኣሎ።
ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።
ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።
“ብሓቂ ኤፍሬም ንኣይ ዝኸበረ ውሉድ ድዩ? ወይ ከዓ ዝተፈተወ ህፃን ድዩ? ኣንፃሩ ብዝተናገርኩ ቝፅሪ እዝክሮ ኣለኹ፤ ስለዙይ ኣምዑተይ ተሃወኸትሉ፤ ርህራሀውን እርህርሀሉ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
ስለዙይ ንህዝቢ ሞኣብን ንሰብ ቂርሄሬስን አልቅሰሎምን እበኽየሎምን ኣለኹ።
“ስለዙይ ልበይ ንሞኣብን ንሰባት ቂርሄሬስን፥ ከም እምብልታ ይቝዝም። ዘዋህለልዎ ንብረት ጠፊኡ እዩሞ።
ሬስ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ተጨኒቐ እየሞ፥ ኣምዑተይውን ተሃዊኹኒ እዩሞ ተመልከት፤ የመና ዓመፀኛ ኾይነ እየሞ፤ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተገላበጠኒ፤ ኣብ ወፃኢ ሰይፊ ንደቀይ ይውድእ ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ሞት ኣሎ።”
ኦ ኤፍሬም ከመይ ገይረ ኽሓድገካ? ኦ እስራኤል፥ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ? ከመይ ገይረኸ ኸም ኣዳማ ኽድርብየካ? ከመይከ ኸም ሲባዮ ኽገብረካ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ፤ ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ።
እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም፥ ምትብባዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ናይ ፍቕሪ ምፅንናዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት እንተ ሃልዩኩም፥ ለውሃትን ርህራሀን እንተ ሃልዩኩም፥