Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 16:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ኣብቲ ፈራዪ ገራሁ ሓጐስን ተድላን የለን። ኣብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ደርፍን ዕልልታን የለን። ኣብ መፅመቚ ሓደ እኳ ወይኒ ዝረግፅ ሰብ የለን። ንዕልልታ ረጋፆ ወይኒ መወዳእታ ገይረሉ እየሞ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 16:10
13 Referencias Cruzadas  

ኣብ ውሽጢ ሓፁር እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይቲ ኣውሊዕ ይፀምቁ፤ ወይኒ እውን ይፀምቁ፤ ንሳቶም ግና ይፀምኡ።


ወይኒ ስለ ዘየለ፥ ፈቐዶ ኣደባባዩ ዋዕዋዕ ይብሉ፤ ታሕጓስ ካብ ገፅ ምድሪ ጠፍአ።


ኣትን ሕዚ መችዩክን ዘለኽን ኣንስቲ፥ ድሕሪ ዓመትን ቍሩብ መዓልትን፥ ምቝራፅ ዘቢብን ምእራይ ፍረታትን ክጠፍእ እዩ እሞ፥ ክትድንግፃ ኢኽን።


ካብቲ ፈራዪ ገራሁን ካብ ሃገር ሞኣብን፥ ፍስሃን ደስታን ጠፍአ። ወይኒ ኻብ መሐምተሊኡ ኸም ዘይወርድ ገበርክዎ። ደጊም ወይኒ ብዕልልታ ኣይፅመቝን እዩ፤ እቲ ዕልልታኦምውን ዕልልታ ኣይኮነን።


ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ዘለኻ፥ ተራኻ መፀካ፥ እቲ ጊዜ በፅሐ፤ ዕልልታ ኣብ እምባታት ዘይስምዐላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት።


ተኽሊ ወይኒ ነቐፀ፤ ኦም በለስ ከዓ ፀምለወ፤ ኦም ሮማንን ተምርን ምልዖን፥ ኵሉ ኣእዋም በረኻን ነቐፀ፤ ሓጐስውን ካብ ደቂ ሰብ ረሓቐ።


ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም።


ብማእኸልኩም ክሓልፍ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ እንዳ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ወዮ! ተብሂሉ ኽብከ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ሓረስታይ ንዓፃዳይ፥ እቲ ፀማቚ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበለን፥ መዓልቲታት ክመፃ እየን። እምባታት ከዓ ዀልዒ ወይኒ ኸንጠብጥቡ እዮም፤ ኵሎም ኰረብታታት ድማ ኽመኩ እዮም።


ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።”


ናብ ገራሁ ድማ ወፈሩ፤ ወይኖም ቈሪፆም ከዓ ፀመቑ፤ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፤ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፤ ንኣቢሜሌክውን ፀረፍዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos