9 ማያት ዲሞን ብደም ተመሊአን ኣለዋ፤ ኣብ ልዕሊ ዲሞን ድማ፥ ካብዙይ ዝገደደ ስቓይ ከምፅአሎም እየ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሃድሙ ሰብ ሞኣብን፥ ኣብ ልዕሊ ተረፍ እታ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።
ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ።
ንወሰናት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፤ ብኽያታ ኸዓ ኽሳዕ ኤግላይም፥ ክሳዕ ብኤር ኢሊም በፅሐ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ።
ድሕሪ እዝ ዅሉ ገና እንተ ዘይሰሚዕኹምኒ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
ኣነ ኸዓ ንኣኻትኩም ክፃረረኩም እየ፤ ብሓጢኣትኩም እውን ሸውዓተ ዕፅፊ ገይረ ኽቐፅዐኩም እየ።
ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ።
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።
ንሕና ወርወርናሎም፤ ሓሴቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኣ፤ ክሳዕ ኖፋሕ፥ ክሳዕ ሜድባ ኣፍረስናዮም።”