7 ኵላ ምድሪ ዓሪፋ ብህድኣት ተቐሚጣ ዕልልውን ትብል ኣላ።
ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፤ ብቓል ሓጐስውን ንእግዚኣብሄር ዕልል በሉ።
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፥ የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ።
ፃድቃን ፅቡቕ እንተ ረኸቡ፥ ሃገር ትሕጐስ፤ ብጥፍኣት ሓጥኣን ኸዓ ዕልል ትብል።
ዘጨንቕ ራእይ ተነገረኒ፤ ዓማፃይ ይዕምፅ፤ መጥፍኢ የጥፍእ። ኤላም ደዪቢ፤ ሜዶንውን ክበቢ፤ ንምስቍርቋር መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።
እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ክመፁዋ እዮም እሞ፥ ሰማይን ምድርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን፥ ብዛዕባ ባቢሎን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ “ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ እንተላ፥ ኣነ ኸባድመካ እየ። ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ስለ ዝባደመ እተሓጐስካዮ፥ ከምኡ ኸውርደልካ እየ፤ ኣታ እምባ ሴይር፥ ንስኻን ኵሉ ኤዶምያስን ኵሉ ብምሉኡ፥ ክትባድሙ ኢኹም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም” ይብል ኣሎ።
ንሳቶምውን ነቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኣብ ኵላ ምድሪ ተመላለስና፤ እንሆ ኸዓ ዅላ ምድሪ ሃዲኣ ብሰላም ትነብር ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”