21 ከይለዓሉ ንምድሪ እውን ከይወርሱ ንዓለምውን ብኸተማታቶም ከይመልኡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንደቆም ሞት ኣዳለዉሎም።”
እዚኣቶም ነቲ ዅሉ ንሱ ዝእዝዞም ዘበለ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገፅ ምድሪ ምእንቲ ኽገብሩስ፥ ብእኡ እናተመርሑ ናብ ኵሉ ዓለም ይዞሩ ኣለዉ።
ኣይትስገደሎም፤ ኣይተምልኮምውን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቐናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዝፀልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ፥
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ህፃናቶም ክጭፍጨፉ እዮም፤ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፤ ኣንስቶም ድማ ኽንውራ እየን።
በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።
እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም ብሓጢኣቶም ይምንምኑ፤ ብሓጢኣት ኣቦታቶምውን ምስኣቶም ይምንምኑ።
ካብ ደም እቲ ፃድቕ ኣቤል ጀሚሩ፥ ክሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ፥ ፍዳ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ፃድቃን፥ ኣባኻትኩም ክበፅሕ እዩ።