16 “ዝሪኡኻ የስተብህሉኻሞ፥ ‘እቲ ንምድሪ ዘንቀጥቀጠን ንመንግስታት ዘናወፀን፥
“ንእግዚኣብሄር ሓጋዚኡ ዘይገበረ ኣብ ብዝሒ ሃብቱ ዝተኣመነ፥ ብኸንቱ ነገር ዝበርትዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ እንሆ።”
ኵሎም ሰባትውን ፈርሑ፤ ግብሪ እግዚኣብሄር ድማ ተናገሩ፤ ስራሑውን ኣስተውዓሉ።
ንስኻ ግና ናብቲ መዓሙቝ ጕድጓድ ናብ ሲኦል ክትወርድ ኢኻ።
እቲ ንኸተማታት ዘፍረሰንን ንዓለም ዘባደማን? ንምሩኻቱ ናብ ገዛኦም ክኸዱ ዘይሰደደ ሰብኣይ እዙይ ዲዩ?’ ኢሎም የስተውዕሉኻ።
ናይ ኵሉ ምድሪ መዶሻ ኸመይ ተሰብረት! ባቢሎንከ ኸመይ ደቐቐት! ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸዓ ኸመይ ዝባደመት ኮነት።
መቓብሮም ኣብ ዓሚቍ ጕድጓድ፥ ህዝባ ኸዓ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዝስክሑ ዝነበሩ ዅላቶም፥ ብሰይፊ ወዲቖም ተቐቲሎም እዮም።
ንሳቶም ከዓ ምስቶም ካብቶም ዘይግሩዛት ዝወደቑ፥ ምስ ኣፅዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስይፍቶም ዘንበሩ ጀጋኑ፥ ምስኣቶም ክድቅሱ እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ልዕሊ ኣዕፅምቶም እዩ።
ርኽሰት ኣብ ልዕሌኺ ኽድርቢ እየ፤ ክንዕቐኪ እየ፤ መላገፂውን ክገብረኪ እየ።
ንነገስታት የላግፁሎም፤ ንመሳፍንቲ ኸዓ መስሓቒ ይገብርዎም። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቑ፤ ነቲ ሓመድውን ኰሚሮም ይወስድዎ።
ስለዙይ መርበቡ ኽድርቢ ድዩ? ዅልሻዕኸ ንህዝብታት ክቐትል ኣይርህርህንዶ?