13 ብልብኻውን፥ ‘ናብ ሰማይ ክዓርግ፥ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ከብሎ እየ፤ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ እምባ መአከቢ ኽቕመጥ እየ።
ልዕልናኡ ኽሳዕ ሰማይ እንተ ደየበ፥ ርእሱውን ክሳዕ ደመና እንተ በፅሐ፥
ብወገን ሰሜን ኣብቲ ፅቡቕ ስፍራ ዝቖመ፥ ናይ ኵሉ ምድሪ ሓጐስ እምባ ፅዮን እዩ፤ ንሱውን ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ እምባ ናይ እግዚኣብሄር ቤት መቕደስ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን፥ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም።
ኣታ ኣብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕ እትነብር፥ ርእሲ እምባውን እትሕዝ፥ ድፍረትካን ኵርዓትካን ኵርዓት ልብኻን ኣታሊሉካ፤ ቤትካ ኸም ንስሪ ኣብ ልዑል ቦታ እንተ ሰራሕኻ እኳ፥ ካብኡ ናብ ታሕቲ ኸፅድፈካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንጢሮስ በላ፤ ‘ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፥ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለዉ ኣህዛብ ከዓ እትነግዲ፥’ ኸምዙይ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፦ ‘ኣቲ ጢሮስ ባዕልኺ ብመልክዕ፥ ፍፅምቲ ኣነ እየ በልኪ።’
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንመስፍን ጢሮስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮ፤ ልብኻ ተዓብዩስ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ድማ፥ ኣብ ዙፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣለኹ ትብል ኣለኻ እሞ፥ ንልብኻ እኳ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፥ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።
ተዛረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገር፤ ኣታ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸል ሩባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፥ ንስኻ እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፤ እትብል ዘለኻ እኒሀኹ ተልዓልኩኻ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብቑመት ልዕል ልዕል ስለ ዝበልካ፥ ርእስኻውን ኣብ ማእኸል ዕሙር ደመና ጨናፍር ስለ ዝገበረ፥ ብምኽንያት ቁመቱ ልቡ ስለ ዝተዓበየ፥
ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ።
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
ግና ልቡ ምስ ተዓበየ፥ ብትዕቢት መንፈሱ ምስ ኣትረረ፥ ካብ ዙፋን መንግስቱ ተዋረደ፤ ክብሩውን ተፈለዮ።
ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥ መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥ ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥ ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።
ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።
ኣቲ ቅፍርናሆም፥ ንስኺ ኸዓ ኽሳዕ ሰማይ እኳ እንተ ተልዓልኪ፥ ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ፤ እቲ ኣባኺ ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ሰዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ክሳዕ ሎሚ ምሃለወት ነይራ።
ኣቲ ቅፍርናሆምውን፥ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ትብሊ ኣለኺ? ክሳዕ ሲኦል ክትወርዲ ኢኺ።
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።