11 ክብርኻን ቃና መሰንቆታትካን፥ ናብ ሲኦል ወረደ፤ መንፀፍካ ፍልሖ፥ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም’ ኢሎም ክመልሱልካ እዮም።
ኣብ ውሽጢ ሓመድ ሓቢሮም ይድቅሱ፤ ሓሰኻ ድማ ይኸድኖም።
ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ።
ስለዙይ ሲኦል ከብዳ ኣስፍሐት፤ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ከፈተት፤ እቶም ክቡራቶምን ዓበይቶምን ሃብታማቶምን ሕጉሳቶምን ናብኣ ኽወርዱ እዮም።
ብልዒ፥ ከም ክዳን ኽበልዖም እዩ፤ ፍልሖውን፥ ከም ፀምሪ ኽበልዖም እዩ፤ ፅድቀይ ግና ንዘለኣለም፥ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ።”
“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
ንድምፂ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ቓና መሰንቆታትኪ ኣይስማዕን እዩ።