10 ኵላቶም ከዓ ‘ንስኻውንዶ ኸማና ደኺምካ! ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ!
ኣእምሮ ዘይብሉ ኽቡር ሰብ፥ ነተን ዝጠፍኣ እንስሳት መሰለ።
በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት!
ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ።
ካብቶም ጀጋኑ እቶም ኣውራታት ሓያላት፥ ካብ ውሽጢ ሲኦል፥ ንእኡን ንደገፍቱን ከምዙይ ኢሎም ክዛረብዎ እዮም፤ ‘እቶም ዘይግሩዛት ብሰይፊ ዝተቐትሉ፥ ወሪዶም ኣብኡ ለጥ ኢሎም’ ኣለዉ።