Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢሳይያስ 13:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 እኒሃ መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ምስ መዓትን ብርቱዕ ቍጥዓን ናህርን መሰክሒት ኮይና ትመፅእ ኣላ። ንምድሪ ኽተባድማ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ሓጥኣን ድማ ኽተጥፍኦም እያ።

Ver Capítulo Copiar




ኢሳይያስ 13:9
27 Referencias Cruzadas  

ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም፤ ዓመፀኛታትውን ደጊም ኣይህልዉን። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ሃሌ ሉያ።


ሓጢኣተኛታት ግና ኻብ ምድሪ ይጠፍኡ፤ ዓመፀኛታትውን ካብኣ ይንቀሉ።


መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ቀሪባ እያ እሞ፥ ብኸዩ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።


መዓልቲ በቀል እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅዮን ክርክር፥ ዓመት ምፍዳይ ሕነ እዩሞ።


ዝብቀለላ መዓልቲ ኣብ ልበይ ኣላ፤ ንህዝበይ ዝብይዘወላ ዓመትውን መፂኣ እያሞ።


“ናብ ማእኸል ዘሎ ኣታኽልቲ ብምኻድ፥ ንርእሶም ዝቕድሱን ዘንፅሁን፥ ስጋ ሓሰማን ኣናፁን፥ ዝረኸሱ ነገራት ዝበልዑን፥ ኵሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን።


በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቆሙ፥ ናብቲ ፍራስ ኣይወፃእኹምን፤ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቅፅሪ ኣይሰራሕኹምን።


መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላሞ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ወዮ! ንሳውን ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ጥፍኣት ክትመፅእ እያ።


መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤ ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥ ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤ ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።


እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።


እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።


ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።


ነታ ቦታ ግና፥ ዓብለቕለቕ ብዝብል ውሕጅ፥ ፈፂሙ ኸጥፍኣ እዩ። ንፀላእቱውን ናብ ፀልማት ከሳጕጎም እዩ።


እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፥ መዓልቲ ፀበባን መከራን፥ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፥ መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን ክትከውን እያ።


እንሆ መዓልቲ እግዚኣብሄር ክመፅእ እዩ፤ ዝዘመቱኺ ኸዓ ኣብ ውሽጥኺ ኽማቐልዎ እዮም።


“እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos