7 ስለዙይ ኣእዳው ደቂ ሰብ ክለምሳ እየን፤ ልቢ ዅሉ ሰብ ከዓ ኽመክኽ እዩ።
ከም ዝውሕዝ ማይ ክመኩ እዮም፤ ክሳዕ ዘድክሞም ፍላፃታቱ ይግትር።
መኳንንቲ ኤዶምያስ ተሸበሩ፤ ንመራሕቲ ሞኣብ ራዕዲ ሓዞም፤ ኣብ ከነዓን ዝነብሩ ዅሎምውን መኸኹ።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
እቶም ኣብኣተን ዝነብሩ፥ ሰነፉን ደንገፁን ተሃወኹን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልሙዕ ቘፅልን፥ ከም ሳዕሪ ናሕስን፥ ከምቲ እንተይበቘለ ዝሃጕጕ ዘርእን ኮኑ።
ውሉድኪ ደኺሞም፥ ኣብ ኵሉ ቐራና መንገድታት ዛሕ በሉ፤ ብመፈንጠር ከም ዝተትሓዘ መይዳቚ ኾኑ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም።
ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።
ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም፥ ኣብ ዕርድታቶም ተቐመጡ፤ ሓይሎም ተወዲኡ ኸም ኣንስቲ ኾኑ። መሸጐሪታት እታ ኸተማ ተሰባበረ፤ ኣባይታ ብሓዊ ነደደ።
ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዙይ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣእዊ፤ ዋይ ዋይ ከዓ በል፤ ንሳቶም ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተውሂቦም እዮም፤ ስለዙይ ሰለፍካ ውቓዕ።
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ‘እንታይ ኴንካ ትቝዝም?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ንስኻ በቲ ዅሉ ዝመፅእ ወረ ልቢ ኽመክኽ፥ ኵለን ኣእዳው ድማ ኽለምሳ እየን፤ ኵሉ መንፈስ ከዓ ኽሕለል፥ ኵሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፥ በሎም፤ እንሆ ይመፅእ ኣሎ፤ ክፍፀም ድማ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኵለን ኣእዳው ክዳኸማ፥ ኵለን ኣብራኽ ድማ ኸም ማይ ክፈሳ እየን።
ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።
ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤ ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤ ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።
እታ ሽደናት ዝበልዑላ፥ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራዅር ኣንበሳን ድማ፥ መፍርሒ ዘይብሎም ዝዛውኑላ ዝነበረት፥ ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ?
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣብ ታሕቲ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ በቲ ዝሰማዕናዮ ልብና መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካባኻትኩም ዝተልዓለ ንሓደ እኳ ነፍሲ ኣይተረፎን።