2 ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም።
ካብ ፍላፃ ፀላኢ ምእንቲ ኸምልጡ፥ ነቶም ዝፈርሑኻ ምልክት ሃብካዮም።
በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ።
ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም።
ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር።
ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
“እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ።
ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ሓለዋ ኣጠንክሩ፤ ሓለውቲ ኣቑሙ፤ ኣድብዮም ዘጥቅዑ ኣዳልዉ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ህዝቢ ኽገብሮ ወሲንዎ ዘሎ ኽፍፅሞ እዩሞ።
ኣታ ንዅላ ምድሪ እተጥፍእ መጥፍኢ እምባ ናባኻ እየ፤ ኢደይ ዘርጊሐ ኻብቲ ኣኻውሕ ከንከራርወካ፥ ዝተቓፀለ እምባውን ክገብረካ እየ።
እቲ ገፊሕ ቅፅርታት ባቢሎን፥ ፈፂሙ ኽፈርስ እዩ፤ እቲ ነዊሕ መዓፁኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ኽነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኽሰርሑ እዮም፤ ኣህዛብ ከዓ ንሓዊ ኽደኽሙ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”