19 መንግስቲ ባቢሎን ዕንቊ መንግስታት፥ ኵርዓት ከለዳውያን እያ። ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዘፍረሰን ከፍርሳ እዩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ።
ነዘን ከተማታት እዚኣተንን፥ ንዅሉ ጐላጕልን፥ ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብን፥ ኣብኡ ንዝነበረ በቝሊ ምድርን ገለባበጠ።
ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።
እንሆ ኣብ ኣፍራስ ዝተቐመጡ በብኽልተ ኾይኖም ይመፁ ኣለዉ ኢሉ ተደሃየ። እቲ ሓላዋይ ድማ መሊሱ “ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! ኵሉ ምስልታት ጣዖታታ ኣብ ምድሪ ተሰባበረ” በለ።
“ኣቲ ባቢሎን፥ ድሕሪ ደጊም ኢተገ መንግስታት፥ ኣይትበሃሊን ኢኺ እሞ፥ ኣብ ፀልማት ኣቲኺ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ።
ኵልኻትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፤ ካብኣቶም እዙይ ዝገበረ መን እዩ? እግዚኣብሄር እቲ ዝፈተዎ ፍቓዱ፥ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍፅም እዩ፤ ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ።
እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።
ከምቲ ሰዶምን ገሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ዝተገልበጣ፥ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን፤ ወዲ ሰብውን ሓደ እኳ ኣይሰፍርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ንገሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበረ ኸተማታትን ዝገልበጠ፥ ኣብ ባቢሎን ሰብ ኣይነብርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽትኮን ኢኻ እምበር፥ ንመኣዝን ወይ ንመሰረት ዝኸውን እምኒ ኻባኻ ኸቶ ኣይውሰድን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር እቲ ንሃገር ባቢሎን ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ፥ ምድረ በዳ ኽገብራ እየ ኢሉ፥ ዝወሰነላ ይፍፅሞ ኣሎሞ፥ ምድሪ ትንቅጥቀጥ ራዕራዕውን ትብል ኣላ።
እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሼሻኸ ከመይ ተትሓዘት! እታ ንዅሉ ምድሪ ምስጋና ዝነበረት ከመይ ተወሰደት! ባቢሎን ንኣህዛብ ከመይ ኢላ መስደመሚት ኮነት!
ከምዙይውን በል፦ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ፥ ሰብ ወይ እንስሳ፥ ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ፥ ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትገብራ ተዛሪብካ ኢኻ።’
“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
እግዚኣብሄር “ከምቲ ንሰዶምን ንገሞራን ኣቐዲመ ዝገልበጥኩወን፥ ገልበጥኩኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኻብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግ ኮንኩም፤ ግና ንስኻትኩም ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየሞ፥ ብርግፅ ሞኣብ ከም ሰዶም፥ ደቂ ኣሞንውን ከም ገሞራ፥ ምድሮምውን ዓውሊ ዝወረሶን፥ ጕድጓድ ጨውን፥ ንዘለኣለም ዝዓነወን ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ህዝበይ ክዘምትዎም፥ ሓድጊ ህዝበይውን ክወርስዎም እዮም።”
ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ “እግዚኣብሄር ፀባዖት፥ ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ።
“እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ነጋዶ ኸዓ፥ ደጊም ፅዕነት መራኽቦም ዝዕድገሎም ስለ ዘየለ፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።