17 እንሆ፥ ነቶም ንብሩር ግዲ ዘይብሎም፥ ንወርቂ ኸዓ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስአሎም እየ።
ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም።
ዘጨንቕ ራእይ ተነገረኒ፤ ዓማፃይ ይዕምፅ፤ መጥፍኢ የጥፍእ። ኤላም ደዪቢ፤ ሜዶንውን ክበቢ፤ ንምስቍርቋር መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
“ካብ ሰሜን ንሓደ ኣተሳእኽዎ፤ መፀውን፤ እቲ ኻብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፅእ፥ ስመይ ዝፅውዕ እዩ፤ ከምቲ ሰራሒ መሬት ንጭቃ ዝረግፆ፥ ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም።
ንዅሎም ነገስታት ዘምሪን፥ ንዅሎም ነገስታት ዔላምን ነገስታት ሜዶንን፥
“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”
ስለዙይ እቶም ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቁ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኵሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ ጨካናትን፥ ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። በፍራሶም እናጋለቡ እንትመፁ፥ ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣቲ ጓል ባቢሎን፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ተዋጋእቲ፥ ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ።
እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎን ብወገን ሰሜን፥ ብዙሓት ብርቱዓት ህዝብታት ከተስአላ እየ፤ ንሳቶም ተሰሊፎም ክወግእዋ እዮም፤ ክስዕርዋ ኸዓ እዮም። ፍላፃታቶም ከምቲ ናይ ጅግና ተዋጋኢ ሓደ እኳ ኣይስሕትን።
ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ።
ትርጕም እዘን ቃላት እዚኣተን ድማ ኸምዙይ እዩ፦ ‘ማኔ’ እግዚኣብሄር ንመዓልቲታት መንግስትኻ ፀብፂብወን እዩ፤ ንመንግስትኻ ኸዓ ወዲእዎ እዩ።