15 ኵሉ ዝተረኽበ ኽውጋእ እዩ፤ ዝተትሓዘ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ።
ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብ ዝተገተረ ቐስቲ፥ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም ይመፁ ኣለዉሞ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ሃገር ባቢሎን ዝገብሮ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኣፅዋሩ ዘቕምጠሉ ቤት ከፈቶ፤ ንኣፅዋር ቍጥዓኡውን ኣውፅኦ።
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክሰባብር እየ፤ ኣረጊትን ቈልዓን ድማ ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክሰባብር እየ፤