14 ከም እትህደን መይዳቝን፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን መጓሰን ኮይኖም፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቦም ክምለሱ፥ ነናብ ሃገሮምውን ክሃድሙ እዮም።
ነቢይ ሚክያስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ንዅሎም ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ኣብ እምባ ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም መራሒ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ’ በለ።”
ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ “እቲ ንጉስ ሞይቱ እዩሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ነናብ ሃገሩ ይመለስ” ዝብል ኣዋጅ ብሰፈር እስራኤላውያን ተሰምዐ።
ኣህዛብ ከም ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ እናበሉ ይመፁ፥ ግና እግዚኣብሄር ይገንሖም እሞ ኣርሒቖም ይሃድሙ። ከምቲ ኣብ እምባ ዘሎ ብቚቡቕ ብንፋስ፥ ከምቲ ሓሰር ድማ ብህቦብላ ዝብተን ክብተኑ እዮም።
ካብ ኣስይፍቲ፥ ካብ ዝተመዘዘ ሰይፊ፥ ካብ ዝተገተረ ቐስቲ፥ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም ይመፁ ኣለዉሞ።
ኵሉ ዕድል እቶም ዝደኸምክሎም፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም፥ መናግድትኺ ዝነበሩ፥ ነናብ መንገዶም ፋሕ ክብሉ እዮም፤ ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።”
እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።
ዘርኢ ዝዘርእ ኮነ፥ ዓፂድ ዝዓፅድ፥ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ከም ዘይነብር ግበሩ። ኵሉ ኣብኣ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘጥፍእ ሰይፊ ፈሪሑ፥ ናብ ህዝቡ ኽሃድም እዩ።”
‘ንባቢሎን ፈወስናያ፤ ንሳ ግና ኣይተፈወሰትን። ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ ስለ ዝበፅሐ፥ ክሳዕ ደመናውን ልዕል ስለ ዝበለ፥ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ሃገርና ንመለስ’ በሉ።”
ኦ ንጉስ ኣሶር፥ ሓለውትኻ ደቂሶም እዮም፤ መኳንንትኻውን ዓሪፎም እዮም፤ ህዝብኻውን ኣብ እምባታት ፋሕ በሉ፤ ዝእክቦም ድማ የለን።
ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም።
ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ራህርሀሎም፤ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ።
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።