4 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦ “ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤ ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፥ ስሙውን ፀውዑ፤ ግብርታቱ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ንገሩ።
ኦ ጐይታይ! ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ናትካ እዩ፤ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማንውን ናትካ እዩ። ኦ ጐይታይ! እታ መንግስቲ ድማ ናትካ እያ፤ ኣብ ርእሲ ዅሉ ልዕል ልዕል በልካ።
እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ቀድምኤል፥ ባኒ፥ ኣሰበንያ፥ ሰራብያ፥ ሆዲያ፥ ሰበንያ፥ ፈታያ ኾይኖም ከምዙይ በሉ፦ “ተስኡ፤ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ንዝነብር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኹ፤ ከምዙይ ከዓ” በሉ፦ “እቲ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ምስጋናን ልዕል ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።”
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ ስሙውን ፀውዑ፤ ግብርታቱውን ንኣህዛብ ንገሩ።
መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኡሉ፤ ግብሩ ድማ ብሓጐስ ይንገሩ።
ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጠ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመስል መን እዩ?
ንስም እግዚኣብሄር የመስግኑ፤ ስሙ ንበይኑ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ምስጋናኡውን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን እዩ።
እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ኣምላኸይውን ብሩኽ እዩ፤ ኣምላኽ መድሓኒተይውን ልዕል ልዕል ይበል።
ኦ ጐይታ፥ ብሓይልኻ ልዕል ልዕል በል! ንፅንዓትካውን ክነመስግንን ክንዝምርን ኢና።
ፅድቁውን ነቲ ገና ዝውለድ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝገበሮን ፅድቁን ክነግሩ እዮም።
ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥ ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”
ኦ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ልዕል ልዕል በል፤ ክብርኻውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።
እግዚኣብሄር ኣብቲ ቅዱስ ቦታኡ፥ ንደኽታማት ኣቦ፥ ንመበለታት ድማ ዳኛ እዩ።
ንኣይ ግና ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ይሕሸኒ፤ ብበርታት ጓል ፅዮን ኵሉ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽናገር፥ መተኣማመንየይ እግዚኣብሄር እዩ።
ነቲ ኣብ ፅዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ድማ ግብርታቱ ንገሩ።
ክብሩ ንኣህዛብ፥ ተኣምራቱውን ንዅሎም ወገናት ንገሩ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲውን የመና ልዕል ልዕል በልካ።
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዝማሬይን እዩ፤ ንሱ መድሓኒየይ ኮነለይ፤ ንሱ ኣምላኸይ ስለ ዝኾነ፥ ከኽብሮ እየ፤ ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ፥ ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ምስ ኵሉ ኽብረይ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እየ፤ ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ፤ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ እምሕሮ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ትዕቢት ወዲ ሰብ ክዋረድ እዩ፤ ትምክሕቲ ሰብ ድማ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብመንገዲ ሕግታትካ። ተስፋ ገበርናካ፤ ስምካን ዝኽርኻን ሃረርታ ነፍስና እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ።
ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ፤ ምስጋናኡውን ኣብ ደሴታት ይናገሩ።
ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤ እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።
ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም።
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
ካብ ምብራቕ ፀሓይ፥ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ስመይ ዓብዪ ክኸውን እዩሞ፥ ኣብ ኵሉ ቦታውን ንስመይ ዕጣን ክዓጥኑ፤ ንፁህ ቍርባንውን ከቕርቡ እዮም፤ ስመይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዝኸበረ ክኸውን እዩሞ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እታ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ፥ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ ኣነውን ኣብኣቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፤ ከፍልጦምውን እየ።”