1 በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።
ሽዑ ንመከራኻ ኽትርስዖ ኢኻ፤ ከም ዝሓለፈ ውሕጅ ክትሓስቦ ኢኻ።
ግብዝ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብል ኣይኽእልን እዩ እሞ፤ ንሱ መድሓኒት ክኾነኒ እዩ።
ቍጥዓኡ ንሓፂር ጊዜ እዩ፤ ሞገሱ ግና ንምሉእ ዕድመ እዩ፤ ምሸት ብኽያት ይኸውን፤ ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን።
ንፅድቅኻውን ኣብዛሕኻዮ፤ ተመሊስካውን ኣሐጐስካኒ፤ ካብ መዓሙቕውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።
ኦ ኣምላኽ ምድሓንና፥ ምለሰና፤ ንቝጥዓኻውን ካባና መልስ።
ትእምርቲ ሰናይውን ምሳይ ግበር፤ ፀላእተይ ይርኣዩ፤ ይሕፈሩውን፤ ረዲእኻንን ኣፀናኒዕኻንን ኢኻሞ።
ኦ ጐይታ፥ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣለኹ፤ ኵሉ ዝገበርካዮ ተኣምራትውን ክነግር እየ።
ቍጥዓይ ክሳዕ ዝፍፀም፥ መዓተይውን ክሳዕ ዘጥፍኦም፥ ቁሩብ ጊዜ ተሪፉ እዩሞ።
ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።
እግዚኣብሄር ካብ ፃዕርኻን ካብ መከራኻን፥ ካብቲ ኣብኡ ኣቲኻዮ ዝነበርካ ፅኑዕ ባርነትን በታ መዓልቲ ኸዕርፈካ እዩ።
ዓይኒ ትዕቢተኛታት ክዋረድ፥ ትምክሕቲ ሰብ ከዓ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እዝ መዝሙር፥ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኽዝመር እዩ፤ ፅንዕቲ ኸተማ ኣላትና፤ እግዚኣብሄር ቅፅርን ዕርድን ገይሩ፥ ምድሓን ከንብረላ እዩ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።
“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”
“ንሓፂር ጊዜ ሓደግኩኺ፤ ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ።
ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።
“እዙይ ንኣይ ከምቲ ማይ መሊሱ፥ ንምድሪ ኸየጥለቕልቓ ንኖህ ዝመሓልኩሉ፥ ሕዚ እውን ንኣኺ መሊሰ ኸይቍጥዐኪ፥ ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ።
“ብቝጥዓይ ወቒዐኪ ነይረ፤ ሕዚ ግና ብርህራሀይ ምሒረኪ እየ እሞ፥ ደቂ መፃእተኛታት ንቕፅርኺ ኽነድቅዎ፥ ነገስታቶም ከዓ ኸገልግሉኺ እዮም።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ተሓጕሶም ፅድቂ ንዝገብሩን፥ ከም ፍቓድካ ንዝነብሩን፥ ብመንገድኻ ንዝሓስቡኻን፥ ትራኸቦም ኢኻ። ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ ንስኻ ድማ ተቘጣዕኻና፤ ኣብ ሓጢኣትናውን ነዊሕ ዘመን ነበርና፤ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና?
እንሆ፥ ኢየሩሳሌም ንሓጐስ፥ ህዝባ ኸዓ ንደስታ ኽፈጥር እየሞ፥ በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ፤ ንዘለኣለምውን ደስ ይበልኩም።
ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ክትፀናንዑ ኢኹም።
ካብኣቶም፥ መዝሙር ምስጋናን፥ ድምፂ ዕልልታን ክስማዕ እዩ፤ ኣነ ኸብዝሖም እየሞ፥ ቍፅሮም ድማ ኣይውሕድን፤ ከኽብሮም እየሞ፥ ኣይዋረዱን እዮም።
ሽዑ እታ ድንግል ብጐይላ ባህ ክብላ እዩ፤ ኣጓብዝን ኣረጋውያንንውን፥ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም፤ ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክልውጦ እየ፤ ከፀናንዖምውን እየ።
ኦ ኤፍሬም ከመይ ገይረ ኽሓድገካ? ኦ እስራኤል፥ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ? ከመይ ገይረኸ ኸም ኣዳማ ኽድርብየካ? ከመይከ ኸም ሲባዮ ኽገብረካ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ፤ ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ።
“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ሓደ፥ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ።
ሕዚ ግና ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ከምቲ በተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዝገበርክዎ ኣይገብርን እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?