8 ዝጠቡ ህፃን ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ጕድጓድ መርዛም ተመን ይፃወት፤ ጡብ ዝሓደገ ህፃን ድማ፥ ኢዱ ኣብ ጕድጓድ ኣፍዑት የእቱ።
ቃል ኪዳንካ ምስ ኣእማን በረኻ ክኸውን እዩሞ፥ ምስ ኣራዊት በረኻ ብሰላም ክትነብር ኢኻ።
መልሓሶም ከም ተመን ኣብልሑ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፤ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ይነፅግ።
ላሕምን ድብን ሓቢሮም ክወፍሩ እዮም፤ ዘዝወለድዎምውን ብሓደ ኽዔሙ እዮም፤ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ እምባይ፥ ጕድኣት ወይ ጥፍኣት ኣየብፅሑን፤ ማይ ንባሕሪ ኸም ዝሽፍን፥ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ፥ ክትመልእ እያ እሞ።
ኦ ፍልስጥኤም! እቲ ዝወቕዐኪ ዝነበረ በትሪ ስለ ዝተሰብረ ዅልኻትኩም ኣይትተሓጐሱ። ካብ ሱር ተመን ኣፍዑት ይወፅእ እዩሞ። ፍረኡውን ዝነፍርን ሓዊ ዝመስልን ገበል ይኸውን።
እንቍላሊሕ ገበል ይሓቝፉ፤ ዓለባ ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ እቲ ኻብ እንቍላሊሖም ዝበልዕ ይመውት፤ እንተ ተሰበረውን መንደላይ ተመን ይወፅእ።