7 ላሕምን ድብን ሓቢሮም ክወፍሩ እዮም፤ ዘዝወለድዎምውን ብሓደ ኽዔሙ እዮም፤ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ እዩ።
ዝጠቡ ህፃን ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ጕድጓድ መርዛም ተመን ይፃወት፤ ጡብ ዝሓደገ ህፃን ድማ፥ ኢዱ ኣብ ጕድጓድ ኣፍዑት የእቱ።
ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”