6 ተዅላ ምስ ጥቦት በጊዕ ክነብር፥ ነብሪ ኸዓ ምስ ማሕሲእ ጤል ክድቅስ እዩ፤ ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ ዝራብዕን፥ ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ንእሽተይ ቈልዓውን ክጓስዮም እዩ።
ቃል ኪዳንካ ምስ ኣእማን በረኻ ክኸውን እዩሞ፥ ምስ ኣራዊት በረኻ ብሰላም ክትነብር ኢኻ።
ንሱ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክፈርድ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ክብይን እዩ። ንሳቶም ከዓ ኣስይፍቶም ማሕረሻታት፥ ኲናውቶምውን ማዕፂድ ገይሮም፥ ክሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ ሰይፊ ኣየልዕልን እዩ፤ ደጊምውን ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።
ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ምስ ኣራዊት በረኻን፥ ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን፥ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም እየ። ኵሎም ብሰላም ምእንቲ ኽነብሩውን፥ ቀስትን ሰይፍን ኲናትን ካብ ምድሪ ኸወግድ እየ።
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።