16 እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።
ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑፅ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከዓ ብየማንን ፀጋምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ግብፂ ናብ ኣሶር መንገዲ ክኸውን እዩ። ኣሶራውያን ናብ ግብፂ፥ ግብፃውያን ከዓ ናብ ኣሶር ክመፁ እዮም። ግብፃውያንን ኣሶራውያንን ብሓደ ኾይኖም ከምልኹ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
“ንዅሎም እምባታተይ መንገዲ ኽገብሮም እየ፤ ጐደናታተይውን ልዕል ክብሉ እዮም።
እንሆ፥ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመፁ፤ እንሆ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፥ እዚኣቶም ከዓ፥ ካብ ምድሪ ሲኒም ክመፁ እዮም።”
ንባሕሪ፥ ነቲ ብርቱዕ መዓሙቝ ማያት ዘንፀፍካ፥ እቶም ዝድሓኑ ኽሓልፉ ኸዓ፥ ነቲ ጥልቂ ባሕሪ፥ መንገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።
ሕለፉ፤ ብደገታት ሕለፉ፤ ንህዝቢ መንገዲ ኣዳልዉ፤ ኣመዓራርዩ፤ መንገዲ ፅርጊያ ኣመዓራርዩሉ፤ ኣእማን ፅረጉ፤ ንኣህዛብውን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።
እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።