15 እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ።
ሙሴ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ባሕሪ፥ ምሉእ ለይቲ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣወገደ፤ ነቲ ባሕሪ እውን ኣንቀፆ። እቲ ማይ ከዓ ኣብ ክልተ ተመቐለ።
ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑፅ ናብ ማእኸል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከዓ ብየማንን ፀጋምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
ደቂ እስራኤል ግና ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ምድሪ ሓለፉ፤ እቲ ማይ ከዓ ብየማኖምን ብፀጋሞምን ከም መንደቕ ኮነሎም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ግብፃውያን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክቐፅዖም ኢሉ ኢዱ ኽዝርግሕ እንተሎ፥ ራዕራዕ ክብሉን ክድንግፁን እዮም።
ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጐደና፥ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከዓ፥ መሰጋገሪ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ንመዓሙቝ ባሕሪ ‘ደረቕ ኩን’ ንሩባታትውን ‘ከንቅፆ እየ’ እብል ኣለኹ።
“ምስ መፃእኹ ንምንታይ እዩ ሰብ ዘይነበረ? ምስ ፀዋዕኹስ ስለ ምንታይ እዩ፥ ዝምልስ ሰብ ዘይነበረ? ብሓቂዶ ኢደይ ንምቢዛው ሓፃር እያ? ወይ ከዓ ኸድሕን ዝኽእል ሓይሊዶ የብለይን እየ? እንሆ፥ ብቝጥዓይ ንባሕሪ ኣንፅፎ፤ ንወሓይዝ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ፤ ሰኣን ማይ ከዓ፥ ዓሳታቱ ብፅምኢ ሞይቶም ከም ዝጨንዉ እገብር።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።
እቲ ንኽቡር ቅልፅሙ፥ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፥ እቲ ንባዕሉ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፥ ንማያት ኣብ ቅድሚኣቶም ዝኸፈለ ኣበይ ኣሎ?
“በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ኻብ ሰገር ፈለግ ኤፍራጥስ ዝተኻረዮ መላፀ፥ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ፥ ንፀጕሪ ርእሱን ንፀጕሪ እግሩን ክላፅዮ እዩ፤ እቲ መላፀውን ንጭሕሙ ኽበልዖ እዩ።
ምእንትዙይ እንሆ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓቢይን ፈለግ፥ ንሱ ኸዓ ንንጉስ ኣሶርን ምስ ኵሉ ኽብሩን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከምፅአሎም እዩ፤ ንሱውን ንዅሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኵሉ ገማግሙ ኽውሕጅን እዩ።
“ስለዙይ እኒሀኹ፥ ኣባኻን ኣብ ሩባታትካን ክለዓለካ፥ ንሃገር ግብፂ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴዌኔና፥ ክሳዕ ወሰን ኢትዮጵያ ኸዓ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ።
ነቲ ሩባታት ከንፅፎ፥ ነታ ምድሪ ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰባት ክሸጣ እየ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድሞ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”
ብባሕሪ ጭንቂ ኽሓልፉ እዮም፤ ማዕበል ባሕሪ እውን ክሃድእ እዩ፤ ኵሉ መዓሙቝ ሩባ ኸዓ ይነፅፍ፤ ትዕቢት ኣሶር ክዋረድ፥ በትሪ መንግስቲ ግብፂውን ክውገድ እዩ።
እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።