13 ቅንኢ ኤፍሬም ክርሕቕ እዩ፤ ፀላእቲ ይሁዳ ኸዓ ኽጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይቐንአሉን፤ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣየጨንቖን እዩ።
ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።”
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።
“በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእኸሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ምስ ኣከብክዎም፥ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣህዛብ፥ ኣብኣቶም ክቕደስ፥ ንሳቶም ከዓ ኣብታ ንያእቆብ ባርያይ ዝሃብክዋ ምድሮም ክነብሩ እዮም።
ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።