1 ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።
ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤ እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤ እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥ እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥
ቦዔዝ ድማ ንኢዮቤድ ወለደ፤ ኢዮቤድ ከዓ ንእሴይ ወለደ።
ክብሪ መንግስትኻ ይነጋገሩ፤ ሓይልኻውን ይናገሩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኣህዛብ ምልክት ክኸውን ንዝቖመ ሱር እሴይ፥ ኣህዛብ ክደልይዎ እዮም። መዕረፊኡውን ዝኸበረ ክኸውን እዩ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።
ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥ ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤ መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤ ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥ ዘብህገና ትርኢት የብሉን።
ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
በቲ ጊዜ እቱይን፥ በቲ ዘመን እቱይን፥ ንዳዊት ጨንፈር ፅድቂ ኸጠጥዐሉ እየ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ ኸዓ ኻብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ፅሕዲ ጨንፈር ወሲደ ኸንብሮ እየ፤ ካብቲ ላዕለዋይ ጠጥዒ፥ ሓንቲ ለይለይ እትብል ሰሊዐ፥ ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ እምባ ኽተኽላ እየ።
ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፥ ኣቦታትኩም ከዓ ዝነበርዋ ምድሪ ኽነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን፥ ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ባርያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ንጉሶም ክኸውን እዩ።
“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።”
እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ።
ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ።
ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦
ኢሳይያስውን፥ “ካብ ሱር እሴይ ክትስእ እዩ፤ ንሱ ኣብ ኣህዛብ ክገዝእ እዩ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም” ይብል።
ጐይታና ኢየሱስ፥ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወለደ ፍሉጥ እዩ።
“ኣነ ኢየሱስ፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስክረልኩም ኢለ፥ መልኣኸይ ለኣኽኩ። ኣነ፥ ካብ ሱር ዳዊትን፥ ዘርኡን ዝኾንኩ እየ፤ እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ” በለ።
ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።
እተን ጐረባብታ ኸዓ “ንኑሓሚን ወዲ ተወሊዱላ” ብምባል ኢዮቤድ ኢለን ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ እዩ፤ እሴይ ከዓ ኣቦ ዳዊት እዩ።
ሳኦል ድማ “ኣታ ቘልዓ፥ ወዲ መን ኢኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “ወዲ ሓሽከርካ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም እየ” በሎ።