26 ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ኰዅሒ ኮሬብ ንምድያም ዝገበሮ፥ ጭጕራፍ ከልዕለሉ እዩ። ከምቲ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኣልዒሉ ንግብፃውያን ዝቐፅዖም፥ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸልዕል እዩ።
በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ኸዓ፥ እንሆ ዅላቶም ሬሳታት ኮይኖም ፀንሑ።
ኦ ኣምላኸይን ጐይታይን፥ ናብ ፍርደይ ተልዓል፤ ኦ ጐይታ፥ ናብ ፍርደይ ፅን በል።
ነሕሉቖምውን ከም ሔሬብን ከም ዜብን፥ ንዓበይቶምውን ከም ዛብሔልን ስልማናን ግበሮም።
ንስኻ ድማ በትርኻ ብኢድካ ኣልዒልካ፥ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሓያ፤ ኽፈሎውን። ደቂ እስራኤል ድማ ብማእኸል ባሕሪ ብንቑፅ ይሕለፉ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ኣታ ኣብ ፅዮን እትነብር ዘለኻ ህዝበይ፥ ኣሶር እኳ ብበትሪ እንተ ወቕዐካ፥ ከምቲ ግብፂ ዝገበረካ ኣሶርውን በትሩ እንተልዓለልካ ኣይትፍራሕ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ።
ኣሶርውን ብበትሪ ኻብ ዝወቕዖ ኻብ ድምፂ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ኽድንግፅ እዩ።
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ።
ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕኻዮ፥ ንሓጐሶምውን ወሰኽካሉ፤ ሰባት ምህርቲ እንትእክቡ፥ ምርኮውን እንትካፈሉ ደስ ከም ዝብሎም፥ ንሳቶም ኣብ ቅድሜኻ ኽሕጐሱ እዮም።
ከምቲ ቐደም ኣብ ምድያም ዝኾነ፥ ነቲ ዝኸበዶም ኣርዑትን፥ ነቲ ኣብ ማእገሮም ዝነበረ በትርን፥ ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ።
ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
ንኽልቲኦም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ድማ ማረኽዎም እሞ፥ ንሔሬብ ኣብ ኰዅሒ ሔሬብ ቀተልዎ። ንዜብውን ኣብ መፅመቝ ወይኒ ዜብ ቀተልዎ፤ ንምድያማውያን እውን ኣሳጐጕዎም። ንርእሲ ሔሬብን ዜብን ግና ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ጌዴዎን ኣምፅእዎ።