23 እወ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምቲ ኽገብሮ ዝወሰኖ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጥፍኣት ከምፅእ እዩ።
ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንውግእ ኸወግድ እዩ፤ ንቐስቲ ኽሰባብሮ፤ ንዅናት ክቐራስሞ፤ ንዋልታ ኸዓ ብሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።
ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ተኣዚዙ ኸም ዘሎ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፥ ማእሰርትኹም ከይፀንዕ ደጊም ኣይተላግፁ።
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
እቲ ሓለቓ ንሓደ ሱባዔ፥ ምስ ብዙሓት ፅኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፍርቂ እቲ ሱባዔ ኸዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን፥ ነቲ መስዋእቲ ቝርባንን፥ ከወግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመፅእ እዩ። እዙይ ከዓ ኽሳዕ እቲ ምዱብ መፈፀምታ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መጥፍኢ ኽፈስስ እዩ።”
እግዚኣብሄር ንፍርዱ፥ ኣብ ምድሪ ብርግፅን ብቕልጡፍን ክፍፅሞ እዩ እሞ።”