21 እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም።
“ኣብ ኵለን ቦታታት ስደቱ ንዝተረፈ ዅሉ ሰብ ድማ፥ ብዘይ ሰብ እታ ቦታ፥ ብዘይ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዝወሃብ፥ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሓግዝዎ።”
እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ኽወቕዖም እዩ፤ ወቒዑ ግና ኽፍውሶም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ እዮም፤ ንሱውን ክሰምዖምን ክፍውሶምን እዩ።
እቲ ዘምለጠ ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ ሱሩ ንታሕቲ ኽሰድድ፥ ኣብ ላዕሊውን ክፈሪ እዩ።
“ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ኣቱም ተረፍ ቤት እስራኤል ኵልኻትኩም፥ ካብ ማህፀን ዝሓዝኩኹም፥ ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ።
ክፉእ ሰብ መንገዱ፥ በደለኛውን ሓሳቡ ይሕደግ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ይመለስ፤ ንሱ ኸዓ ምሕረት ክገብረሉ እዩ፤ ናብ ኣምላኽና ይመለስ፤ ይቕረታኡ ብዙሕ እዩሞ።
ንፅዮንን፥ ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝንስሑ ቤት ያእቆብን፥ ዘድሕን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ወድኻ ያሱብ ውፁ እሞ፥ ንንጉስ ኣካዝ ክትራኸብዎ፥ ናብቲ ወሰን መስኖ ላዕለዋይ ቃላይ፥ በታ ናብ ግራት ሓፃቢ ክዳውንቲ እትወስድ መንገዲ ውፁ፤
እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝቐፅዖም ኣይተመለሱን፤ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”
ኦ እስራኤል፥ ብሓጢኣትካ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።
“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ።
ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን።
ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”
እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።