19 እቲ ኻብ ዱር ዝተረፈ ኣእዋም ከዓ፥ ንእሽተይ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዝፅሕፎ፥ ቍፅሩ ውሑድ ክኸውን እዩ።
ነቶም ዝተረፉ ኻብ ፅሩይ ወርቂ፥ ካብቲ ወርቂ ኦፊር ድማ ዝኸበሩ ኽገብሮም እየ።
እቶም ሰብ መንትግ ደቂ ቄዳር ጀጋኑ እዮም፤ ግና ኻብኣቶም ውሑዳት ጥራሕ ክተርፉ እዮም፤ ኢሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተዛሪቡ እዩ።”
ግና በረድ ኣብ ልዕሊ ዱር ይወርድ፤ እታ ኸተማ እውን ፈፂማ ኽትዋረድ እያ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም።
ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም።