18 ከምቲ ሕማም ንሰብ እናመንመነ ዝቐትሎ፥ ከምኡ ድማ ንኽብሪ እቲ ዱርን ንፈራዪ ገራሁን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ።
ብልኡኻትካ ጌርካ ኸምዙይ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ፀረፍካ፦ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ፥ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ናብ ጫፍ ሊባኖስ ደየብኩ፤ ነቲ ነዋሕቲ ዝግባታቱን፥ ነቲ ሕሩይ ፅሕድታቱን ከዓ ቘረፅኩ፤ ናብቲ ዝረሓቐ መሕደሪኡ፥ ናብቲ ዱር ቀርሜሎስ ክኣቱ እየ።
ቍጥዓኻን ትዕቢትካን ናብ እዝነይ በፂሑ እዩሞ፥ መቑለበይ ኣብ ኣፍንጫኻ፥ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብር እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲ ድማ ኽመልሰካ እየ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናብቶም ህጡራት፥ ዕብራን ክሰድድ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ኸም ነበልባል ሓዊ ኸባርዕ እዩ።
ግና በረድ ኣብ ልዕሊ ዱር ይወርድ፤ እታ ኸተማ እውን ፈፂማ ኽትዋረድ እያ።
ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ።
ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ።
ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።