15 ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ?
እግዚኣብሄር፥ “በትሪ ቝጥዓይ ንዝኾነ፥ ሻቘጥ ቍጥዓይውን ኣብ ኢዱ ንዘሎ ንኣሶር ወይለኡ!
እዙይ ናታትኩም ቀይናንነትዶ ኣይኮነን? ከም ሰራሒ መሬትዶ እትቝፀሩ ኣይኮንኩምን? ስሩሕዶ ንሰራሒኡ “ንስኻ ኣይሰራሕኻንን” ይብሎ እዩ? ወይ እቲ እተገብረ፥ ንገባሪኡዶ “ኣይተስተውዕልን ኢኻ” ይብሎ እዩ?
ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”
እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?
“በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ኻብ ሰገር ፈለግ ኤፍራጥስ ዝተኻረዮ መላፀ፥ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ፥ ንፀጕሪ ርእሱን ንፀጕሪ እግሩን ክላፅዮ እዩ፤ እቲ መላፀውን ንጭሕሙ ኽበልዖ እዩ።
ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደኾን፥ ኣነ ኣምላኽ እየ፥ ክትብል ኢኻ? ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ቐታሊኻ፥ ሰብ ኢኻ እምበር ኣምላኽ ኣይኮንካን።