14 ሰብ ኢዱ ናብ ሰፈር ዒፍ ከም ዝሰድድ፥ ኣነውን ከምኡ ኢደይ ናብ ሃብቲ መንግስታት ሰደድኩ፤ ሰባት ዝተሓደገ እንቍላሊሕ ከም ዝእክቡ ኣነውን ከምኡ ንዅሉ ምድሪ ኣከብኩዎ። ክከላኸል ኢሉ ኽንፉ ዘንገብግብ ወይ ኣፉ ኸፊቱውን ዘእወየ ኣይነበረን” ይብል ኣሎ።
“ኣነን ኣቦታተይን ንዅሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኩም? ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኣተንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኸናግፍወን ክኢሎም እዮም?
ኢደይ ሃብቲ ኣምፂኣትለይ ኢለ፥ ተመኪሐ እንተ ኾይነ፥
ልቢ ሰብ፥ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ልዕል ይብል፤ ትሕትና ድማ ንኽብረት ትቕድማ።
ነቲ ንህዝብታት ብቝጥዓ እንተየቋረፀ ዝወቕዖም፥ ነቲ ብቝጥዓን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጕን፥ ንኣህዛብ ዝገዝአ በትሪ ሰበሮ።
ኵዒተ ማይ ሰተኹ፤ ብኸብዲ እግረይ ንዅሉ ሩባታት ግብፂ ኸንፅፎ እየ” እናበልካ ተዘሃርካ።
ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም!
ኣታ ኣብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕ እትነብር፥ ርእሲ እምባውን እትሕዝ፥ ድፍረትካን ኵርዓትካን ኵርዓት ልብኻን ኣታሊሉካ፤ ቤትካ ኸም ንስሪ ኣብ ልዑል ቦታ እንተ ሰራሕኻ እኳ፥ ካብኡ ናብ ታሕቲ ኸፅድፈካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።”
ከም ንስሪ ተወንጪፍካ ንላዕሊ እንተ ደየብካ፥ ቤትካውን ኣብ ማእኸል ከዋኽብቲ እንተ ኾነ፥ ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤ ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥ ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።