13 ንጉስ ኣሶር “መስተውዓሊ ስለ ዝኾንኩ፥ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ነዝ ዅሉ ገበርክዎ፤ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ወሰን ኣፍረስክዎ፥ ንመዛግብቶም ድማ ዘመትክዎ፤ ንነገስታቶምውን ከም ሓደ ብርቱዕ ጅግና ኾይነ ኣዋረድክዎም።
ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።
ኣካዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤት ንጉስን ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ገፀ በረኸት ሰደደሉ።
ንጉስ ኣሶር ድማ ኻብ ባቢሎን፥ ካብ ኩታ፥ ካብ ዓዋ፥ ካብ ሓማት፥ ካብ ሴፈርዋይም ሰባት ኣምፂኡ ኽንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸዓ ወረስዋ፤ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ።
ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም።
እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ኣላሔ፥ ኣብ ኣቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንውን ኣቐመጦም።
ሕዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ።
ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር ከይትሞቱስ፥ መፂአ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፥ ናብ ሃገር እኽልን እንጀራን፥ ናብ ሃገር ኣታኽልቲ ወይንን ኰልዒ ወይንን፥ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ሕዝቅያስ ክጥብረኩም እንተሎ፥ ኣይትስምዕዎ።
ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ፎሓ ንጉስ ኣሶርን፥ ንመንፈስ ቴልጌልቴልፌልሶርን ዝበሃል ንጉስ ኣሶርን ኣተሲኡ ነቶም ህዝቢ፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፥ ናብ ኣላሔን ናብ ኣቦርን ናብ ሓራን ናብ ሩባ ጎዛንን ኣእተዎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።
ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝኾነ ይመስሎ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ግና ይዕዘቦ።
ከምዙይ ይብል፦ “ኵሎም መሳፍንተይ ነገስታትዶ ኣይኮኑን?
እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም!
ግብፂ ኸም ምልኣት ኣባይ ይዘልል፤ እቲ ማይውን ከም ጋሻ ውሕጅ ይውርወር፤ ንዅላ ምድሪ እውን ክኸድና እየ፤ ንኸተማታታን ንነበርታን፥ ከጥፍኦም እየ፤ ይብል ኣሎ።
“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?
ንደቂ ኣሞን ከዓ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፤ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፥ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፥ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ፥ እሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፥
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ጢሮስ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ‘እሰይ፥ እሰይ፥ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፤ ናባይ ተመሊሳ፤ ንሳ ባዲማ እያ፤ ኣነ ኽመልእ እየ’ ኢላ ኣላ እሞ፥
ተዛረብ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገር፤ ኣታ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸል ሩባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፥ ንስኻ እቲ ሩባ ናተይ እዩ፤ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፤ እትብል ዘለኻ እኒሀኹ ተልዓልኩኻ።
ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።”
ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
“እዚኣ እታ ንኽብረይን ንግርማይን ርእሲ ኸተማይ ክትከውን ኢለ፥ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነፅክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኮነትን?” በለ።
ስለዙይ ንኽንየው ደማስቆ ኸም እትማረኹ ኽገብረኩም እየ” ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።
ንስኻትኩም “ብኸንቱ ነገር እትሕጐሱ፥ ብሓይልናዶ ኣይኮናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና እትብሉ ዘለኹም።
ሽዑ ኸም ንፋስ ሓሊፉ ይኸይድ፤ ይብድልውን፤ ንሓይሉውን ከም ኣምላኽ ይገብሮ።”
ዕድሉ ብኣኣቶም ሰቢሓ እያሞ፥ ምግቡውን በዚሓ እያሞ፥ ንመርበቡ ይስውእ፤ ንመግፈፊኡውን ይዓጥን።
እዚኣቶም ኵላቶም ነቲ ዘይናቱ ንባዕሉ ዝእክብ፥ መትሓጃውን ንባዕሉ ዘብዝሕ ወይለኡ! ኽሳዕ መኣዝከ እዩ? እናበሉ ምስላ ኣይምስሉሉንዶ? ተረትከ ኣይትርቱሉንዶ?
ብልብኹም ‘ሓይልናን ፅንዓት ኢድናን እዝ ዅሉ ሃብቲ ኽንእክብ ገበረና’ ትብሉ ትኾኑ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንጌዴዎን “ኣነ ንምድያም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ እንተ ኾነ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ህዝቢ እምብዛ ስለ ዝበዝሑ ‘ብሓይልና ኢና ዝደሓንና’ ኢሎም ክዕበዩ እዮም።