1-2 ኣቱም ንፅጉማት ፍትሒ ኽትከልእዎም፥ ንድኻታት ህዝበይ ከዓ መሰሎም ክትግሕሱዎም፥ ንመበለታት ምርኮኹም ክትገብርወን፥ ንደኽታማት ድማ ምእንቲ ኽትከትርዎም ኢልኩም ሕግታት ዓመፃ እትሕግጉ፥ ሕሱም ሕግጋት ከዓ እትእውጁ፥ ወይለኹም!
እቶም ከንቱ ዝኾኑ ኽልተ ሰባት ድማ መፂኦም ኣብ ቅድሚ ናቡቴ ተቐመጡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ “ናቡቴ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን እንትፀርፍ ሰሚዕናዮ” ኢሎም መስከሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣውፂኦም፥ ክሳዕ ዝመውት ብእምኒ ቐጥቀጥዎ።
ብልብኹም ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹምሞ፤ በእዳውኩምውን ኣብ ምድሪ ዓመፅ ትፍሕሱ ኣለኹምሞ።
ብፍርዲ ነገርውን ነቲ ድኻ ኣይተዳሉ።
“ድኻ ናብ ፍርዲ እንተ ቐረበ፥ ‘ድኻ እዩ’ ኢልካ ፍትሒ ኣይተጕድለሉ።
እቶም ንሰብ ብነገር በደለኛ ዝገብርዎ፥ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስፅ ድማ መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ፃድቕ ብኸንቱ ዘስሕትዎ ኽጠፍኡ እዮም።
ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!
እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይቲ ህዝቡን ኣሕሉቕን ይፈርዶም፤ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝበላዕኹም ንስኻትኩም ኢኹም፤ ካብ ድኻታት ዝወረርኩምዎውን ኣብ ገዛኻትኩም ይርከብ።
እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም!
እቶም ንበደል ብገመድ ሓሰት፥ ንሓጢኣት ከዓ ብመእሰሪ ሰረገላ ናብኣቶም ንዝስሕብዎ፥
ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም!
ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም!
ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ።
ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ።
እቲ ብግፍዒ ቤቱ፥ ብዓመፅ ድማ ሰገነቱ ዝሰርሐ፥ ንወገኑውን ብዘይ ዋጋ ዘስርሕ፥ ደመወዝውን ዘይኸፍሎም፥ ወይለኡ።
ንርእሲ ድኻታት ኣብ ልዕሊ ሓመድ ምድሪ ይረግፅዎ። ንመንገዲ ትሑታት ይጠዋውይዎ። ነቲ ቕዱስ ስመይ ከርክስዎ ኸዓ፥ ኣቦን ወድን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኣትዉ።
ስርዓት ዖምሪን ኵሉ ልምዲ ኣክኣብን ሓሊኻ ኢኻ፤ ምኽሮምውን ተኸቲልኻ ኢኻ፤ ስለዙይ ፀርፊ ህዝበይ ክትፀውር ኢኻ፤ ንኣኻ ንመሰክሒ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ድማ ንፋፃ ኽገብሮም እየ።”
ንኸተማ ብደም ምፍሳስ ንዝሰርሕ ንሃገር ከዓ ብሓጢኣት ንዝምስርታ ወይለኡ!
ሕፍረተ ስጋኡ ንምርኣይ፥ ንብፃዩ መስተ ዘስቲ፥ ክፉእውን ዝውስኸሉ፥ ንዘስክሮውን ወይለኡ!
እቲ ንዕንፀይቲ “ንቓሕ” ንበሃም እምኒ ኸዓ “ተስእ” ዝብሎ ወይለኡ! ብሓቂዶ እዙይ ይምህር እዩ? እንሆ ብወርቅን ብብሩርን ተለቢጡ እዩ፤ ምንም እስትንፋስ የብሉን።
እዚኣቶም ኵላቶም ነቲ ዘይናቱ ንባዕሉ ዝእክብ፥ መትሓጃውን ንባዕሉ ዘብዝሕ ወይለኡ! ኽሳዕ መኣዝከ እዩ? እናበሉ ምስላ ኣይምስሉሉንዶ? ተረትከ ኣይትርቱሉንዶ?
ካብ ክፉእ ንኽድሕን፥ ንቤቱ ኣብ በሪኽ ቦታ ንኽገብር፥ ንገዛኡ ዘይግባእ ትርፊ ንዝእክብ ወይለኡ!
“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ካብ ጨና ኣዳም፥ ካብ ሽላን፥ ካብ ከሙን ዓስራት እተውፅኡ፤ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፥ ፍትሒ፥ ምሕረት፥ እምነት ግና እትሓድጉ ኢኹም እሞ ወይለኹም! ነዙይ ምግባር፥ ነቱይውን ዘይምሕዳግ ይግባእ።
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብወፃኢ ፅቡቕ ኮይኖም ዝረአዩ፥ ውሽጦም ግና ዝበስበሰ ኣዕፅምትን፥ ርኹስ ነገርን ዝመልኡ ዝተለመፁ መቓብራት እትመስሉ፥ ወይለኹም!
“ኣቱም ግብዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ‘ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተንኸውንስ፥ ኣብ ምፍሳስ ደም ነቢያት ኣይምተሳተፍናን’ እናበልኩም መቓብር ነቢያት እትሃንፁ፥ ሓወልቲ ፃድቃን እተጊፁ፥ ወይለኹም!
ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ።
ኣቱም ሊቃውንቲ ሕጊ፥ መርሖ ፍልጠት ሒዝኩም እንተለኹም፥ ንባዕልትኹም ኣይኣተኹምን፤ ነቶም ክኣትዉ ዝደልዩ ድማ፥ ትኽልክሉ ኢኹም እሞ ወይለኹም!”
ሊቃነ ካህናትን እቶም ሓሻኽሮምን ምስ ረአይዎ ኸዓ “ስቐሎ! ስቐሎ!” እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። ጲላጦስ ከዓ “ባዕልኻትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም።
እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ እዮም እዙይ ዝበሉ። ኣይሁድ “ንሱ ክርስቶስ እዩ” ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤተ ፀሎቶም ክሰጕዎ ተሰማሚዖም ነበሩሞ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!