7 ሃገርኩም ዓንያ፥ ከተማታትኩምውን ብሓዊ ተቓፂለን፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ጓኖት ንገራሁኹም ይበልዕዎ፤ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ምድሪ ዓነወት።
ንጉስ ኣካዝ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ብንጉስ ሶርያ ኸም ዝስዓር ገበሮ፤ ንሳቶም ድማ ብዙሕ ጭፍራ ማሪኾም ናብ ደማስቆ ወሰድዎም። ከምኡውን እግዚኣብሄር ብንጉስ እስራኤል ከም ዝሰዓር ገበሮ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውረደሉ።
ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ጨው ገበራ።
ንሳቶም ከዓ ብጭንቂ ብመከራ ብሓዘን ተሳቐዩ፤ እናወሓዱውን ከዱ።
ንዅሉ ገንዘቡ በዓል ዕዳ ይውረሮ፤ ንዅሉ ዝደኸመሉውን ባዕዲ ይዝመቶ።
ጓል ፅዮን ከዓ ኸምቲ መከላኸሊ ዘይብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዳስ፥ ኣብ ውሽጢ ተኽሊ ዱባ ኸም ዘሎ ጐጆን፥ ከም ዝተኸበበት ከተማ ኾይና ተረፈት።
ነዒንቲ ኽብሩ ኸቘጥዑ፥ ልሳኖምን ግብሮምን ኣንፃር እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል ኣላ፤ ይሁዳ ኸዓ ትወድቕ ኣላ።
ወሓይዝ ኤዶምያስ ናብ ቅጥራን፥ ሓመዳ ኸዓ ናብ ዲን ክልወጥ፥ ምድራውን ነዳዲ ቕጥራን ክኸውን እዩ።
“ኣብቲ ዓንዩን ባዲሙን ዘሎ ቦታኽን፥ ኣብቲ ዝጠፍአ ምድርኽን፥ ካብቶም ዝነብሩልኪ ዝተልዓለ፥ ሎሚ ኽትፀብዮም ኢኺ፤ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ኽርሕቑ እዮም።
ሽዑ ጡበታት ኣባጊዕ ኣብ ውሽጢ መውፈሪኦም ክጓሰዩ እዮም፤ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከዓ፥ ጓኖት ክበልዕዎ እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብእዝነይ ከምዙይ በለኒ፦ “ብሓቂ ብዙሕ ዓበይትን ፅቡቕን ኣባይቲ ኽዓኑ እዩ፤ ዝነብረሉውን ኣይርከብን።
ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥
“ሓደ እኳ ብኣኺ ዘይሓልፍ ሕድግትን ፅልእትን ነበርኪ፤ ኣነ ግና ዘለኣለማዊ መመክሒት፥ ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ።
እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን፥ ብሓያል ቅልፅሙን ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ድሕሪዙይ እኽልኺ ንፀላእትኺ፥ ምግቢ ክኾኖም ኣይህቦምን እየ፤ ነቲ ዝፀዓርክሉ ወይንኺውን፥ ጓኖት ኣይሰትይዎን እዮም።
ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት።
ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ።
ኵሉ መንገዲ ጫማታት ሰብ ኲናትን፥ ብደም ዝተኣለኸ ኽዳውንትን ክነድድ፥ መሳወሪ ሓዊ ኾይኑውን ክቓፀል እዩ።
ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፤ ድምፆምውን ኣስምዑ፤ ንምድሩ ኸዓ ኣዕነዉ፤ ከተማታቱውን ተቓፀላ፤ ዝነብረለንውን የለን።
ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤ ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤ ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤ ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።
ስለዙይ ድማ ቝጥዓይን መዓተይን ፈሰሰ፤ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ድማ ነደደ። ንሳተን ድማ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይነናኦ ዘለዋ ፈረሳ፤ ዑናውን ኮና።
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”
እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ርስትና ንመፃእተኛታት፥ ኣባይትና ንጓኖት ሓሊፎም ተውሃቡ።
ስለዙይ እንሆ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፥ ድንኳናቶም ክተኽሉልካ፥ ኣብ ማእኸልካውን ሰፈሮም ክሰርሑ ኽውፍየካ እየ፤ ንሳቶም ፍረኻ ኽበልዑ፥ ፀባኻውን ክሰትዩ እዮም።
ነቲ ሩባታት ከንፅፎ፥ ነታ ምድሪ ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰባት ክሸጣ እየ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድሞ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”
ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።
ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ።
ንኣኻትኩም ከዓ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፤ ደድሕሬኹም ውግእ ከልዕለልኩም እየ፤ ሃገርኩም ድማ ኽትባድም እያ፤ ከተማታትኩም እውን ክዓንዋ እየን።
ሽዑ እታ ሃገር በቲ ዅሉ ዑና ኾይና እትነብረሉ ዘመን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ፀላእትኹም እንተለኹም፥ ብዓመታት ዕረፍታ ደስ ክብላ፥ ሽዑ እታ ምድሪ ኽትዓርፍ ብዕረፍታ ኸዓ ደስ ክብላ እዩ።
ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፥ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ኸፍርሶ እየ።
ስለዙይ ኣነ ኸዓ ብሕማም ቍስሊ ወቓዕኹኻ፤ ካብ ሓጢኣትካ ዝተልዓለ ድማ ኣፈራረስኩኻ።
ፍረ ምድሪኹምን ኵሉ ፃዕሪኹምን ድማ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ኵልሻዕ ከዓ ግፉዓትን ጭኑቓትን ክትኮኑ ኢኹም።
“ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታት መመሊሶም ልዕሌኹም ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና መመሊስኩም ትሕቲኦም ክትኮኑ ኢኹም፤
ከምቲ እግዚኣብሄር ተቘጢዑን ነዲዱን ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሲባዮንን ዝገምጠለን፥ ኵላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተፍርን ሳዕሪ ኸይተብቍልን፥ ብዲንን ጨውን ዝተቓፀለት ክትከውን እያ።