29 ብዝፈተኹምዋ ኦም ኣድባር ክትሓንኩ ኢኹም፤ በቶም ዝመረፅኩምዎም ኣታኽልቲውን ክትሓፍሩ ኢኹም።
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝሰርሓኦም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን፥ ክትድርብዩ ኢኹም እሞ።
እቶም ብቕርፂ ምስልታት ዝእመኑ፥ ንምስልታት ፍሲ ኸዓ፥ ‘ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም’ ዝብልዎም፥ ንድሕሪት ክምለሱ እዮም፤ የመና ድማ ኽሓፍሩ እዮም።”
እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም፥ ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም።
ኣብ ልዕሊ መንከ ኢኹም መልሓስኩም እተንውሑ? ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኦም፥ ንጣዖታት እትብህጉ ዘመውቲ፥ ንደቅኹም ድማ ኣብ ትሕቲ ሽንጥሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን ሓሪድኩም እትስውኡ፥ ደቂ ዓመፅን ሓሰትንዶ ኣይኮንኩምን?
እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ኵልሻዕ የቘጥዑኒ፤ ኣብ እንዳ ኣታኽልቲ ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከዓ፥ ዕጣን ይዓጥኑ።
“ናብ ማእኸል ዘሎ ኣታኽልቲ ብምኻድ፥ ንርእሶም ዝቕድሱን ዘንፅሁን፥ ስጋ ሓሰማን ኣናፁን፥ ዝረኸሱ ነገራት ዝበልዑን፥ ኵሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ኢዮስያስ ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣመንዘረት።
ሽዑ ነቲ እኩይ መንገድታትኩምን፥ ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፥ ብሰንኪ ሓጢኣትኩምን ፅያፍኩምን ከዓ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።
እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእኸል ጣዖታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዀረብታ፥ ኣብ ኵሉ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቘፅሊ ዘለዎ ኣውሒ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ንዅሎም ጣዖታቶም ጥዑም መዓዛ ዝዓጥኑሉ ስፍራ ምስ ኮኑ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ።
ካብ ደጊም፥ ጣዖት ንኤፍሬም እንታይ እዩ? ኣነ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤ ናብኡ ድማ ኽጥምት እየ። ኣነ ኸም ዝለምለመ ፅሕዲ እየ፤ ፍረኻውን ኣባይ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ።
ንፋስ ብኣኽናፋ ኣሲርዋ፤ ንሳቶምውን ካብ መስዋእቶም ዝተልዓለ ኽሓፍሩ እዮም።
ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።