28 ዓመፀኛታትን ሓጢኣተኛታትን ግና ብሓደ ኽስበሩ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዝሓድግዎ ድማ፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
“ኣታ ወደይ ሰሎሞን፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ሓሳባት ድማ ይፈልጥ እዩሞ፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፤ ብፍፁም ልብኻን ብምሉእ ድሌትካን ከዓ ኣገልግሎ። እንተ ደሊኻዮስ፥ ክትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ግና ንዘለኣለም ክሓድገካ እዩ።
ስለዙይ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ክሳዕ ሕዚ ዓመፀት፤ በቲ ጊዜቱይ ኢዮራም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደገ፥ ልብናውን ኣብ ልዕሊኡ ዓመፀት።
“ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ፥ ንነገስታት ሶርያ ስለ ዝሓገዝዎም፥ ኣነ ኸዓ ምእንቲ ኽሕግዙኒ ኽስውአሎም እየ” ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውአሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደኣ መዐንቀፊ ኾንዎም።
ንጉስ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ድማ፥ ካብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ጀጋኑ ቐተለሎም። እዙይ ከዓ ህዝቢ ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ እዩ።
ጥፍኣት ንዓመፅቲ፥ ዕንወትውን ንገበርቲ ኽፉእዶ ኣይኮነን?
ሰባት እናረአዩ ኸም ክፉኣት ይወቕዖም።
እዙይ ከዓ ንእኡ ኻብ ምኽታል ስለ ዘግለሱ፥ ንዅለን ትእዛዛቱውን ስለ ዝነዓቑ እዩ።
እግዚኣብሄር ንመንገዲ ፃድቃን ይፈልጦ እዩሞ፤ መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ።
ሓጥኣን ካብ ምድሪ ኽጠፍኡ እዮም፤ ዓመፀኛታትውን ደጊም ኣይህልዉን። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ሃሌ ሉያ።
ነቶም ናብ ዘይቅኑዕ መንገዲ ዝምለሱ ግና፥ እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ ዓመፅ ክወስዶም እዩ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰላም ይኹን።
በደለኛታት ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ናይ ሓጢኣተኛታት ተረፍውን ክጠፍኡ እዮም።
ኦ ጐይታ፥ ሓሰት ንዝዛረቡ ተጥፍኦም፤ እግዚኣብሄር ንደም ዘፍስስን ንመታለሊን ይፅየፍ።
እንሆ፥ እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ኽጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም።
ንኣህዛብ ገሰፅካዮም፤ ንኽፉኣት ከዓ ኣጥፋእኻዮም፤ ስሞም ከዓ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።
ኦ ጐይታ፥ እንሆ ፀላእትኻ ኽጠፍኡ እዮም እሞ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅውን ክብተኑ እዮም እሞ።
እቲ ብዙሕ ተገሲፁ ኽሳዱ ዘትርር፥ ብድንገት ይስበር፤ ፈውሲውን የብሉን።
ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ።
እወ፥ ምድሪ ኸም ዝሰኸረ ሰካር ሰንደልደል ትብል፤ ምድሪ ኸም ዳስ ነነው ትብል። በደላ ኸቢድዋ እዩ እሞ፥ ክትወድቕ እያ። መሊሳውን ኣይትትስእን።
እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ።
ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ?
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ኵልኻትኩም፥ ነበልባልውን ዝሓዝኩም፥ በቲ ሃልሃልታ ሓዊኹምን፥ በቲ ዘንደድኩምዎ ነበልባልን ኪዱ። እምበኣር ካብ ኢደይ እትቕበልዎ እዙይ እዩ፤ ኣብ ሓዘን ድማ ኽትድቅሱ ኢኹም።
በብመዓልቲ ግና ንኣይ ይደልዩ፤ መንገድታተይ ክፈልጡ ድማ ይፈትዉ፤ ከምቲ ፅድቂ ዝገብርን፥ ሕግጋት ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝቢ፥ ቅኑዕ ፍርዲ ይልምኑኒ፤ ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡውን ይደልዩ።”
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ።
“ንስኻትኩም ኣቱም ንኣይ ንእግዚኣብሄር እትሓድጉ፥ ንፅዮን ቅዱስ እምባይ ረሲዕኹም፥ ‘ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ ንዝተብሃለ ጣዖት ማእዲ እተቕርቡ፤ ‘ፅቡቕ ዕድል’ ንዝተብሃለ ጣዖት ድማ ወይኒ እትመልኡሉ ግና፥
“ናብ ማእኸል ዘሎ ኣታኽልቲ ብምኻድ፥ ንርእሶም ዝቕድሱን ዘንፅሁን፥ ስጋ ሓሰማን ኣናፁን፥ ዝረኸሱ ነገራት ዝበልዑን፥ ኵሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
“ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ክቕመጡ ኢሎም፥ ናብኣ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ዅሎም ክጠፍኡ እዮም፤ ኣብ ሃገር ግብፂ ኽወድቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም፤ ካብ ንኡስ ክሳዕ ዓብዪ ብሰይፊ ወይ ብጥሜት ክጠፍኡ እዮም። ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ከዓ ክኾኑ እዮም።
ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕል ጠቢብ፥ ዝፈልጦ መስተውዓሊኸ መን እዩ? መንገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ፃድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ ዓመፅቲ ግና ይሰናኸሉ።
ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።
እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።
መሊስኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።”