26 ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፥ መማኽርትኺ ድማ ኸምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ድሕሪኡ ኸተማ ፅድቂ፥ እምንቲ ኸተማ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።”
እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።
እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ።
ብፅድቂ ኽትህነፂ ኢኺ፤ ካብ ግፍዒ ረሓቒ፤ ዘፍርሐኪውን ኣይህሉን፤ ስምባደ ኣይቐርበክን እዩ፤ ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን።
ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ፥ ክሳዶም እናድነኑ ናባኺ ኽመፁ፥ እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኪ፥ ፍግም ኢሎም፥ ክሰግዱልኪ እዮም እሞ፥ ‘ፅዮን፥ ከተማ እግዚኣብሄር፥ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’ ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።”
ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥ ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንምርኮኣቶም ምስ መለስኩሎም፥ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን፥ ‘ኣታ መሕደሪ ፅድቂ፥ ኣታ እምባ ቅድስና፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ!’ ዝብል ቃል፥ መሊሶም ክናገሩ እዮም።”
ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ምርኮ ይሁዳን ምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፤ ከም ቀደም ከዓ ኽሃንፆም እየ።
እቶም ኣሕሉቕ ከዓ፥ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ክህብዎም እዮም እምበር፥ ድሕሪዙይ ንህዝበይ ኣይገፍዕዎምን፤ እዚኣስ ምድሩ፥ ኣብ እስራኤል ድማ ርስቱ ኽትከውን እያ።
ኣታ ግንቢ መጓሰ፥ እታ እምባ ጓል ፅዮን፥ ናባኻ ኽትመፅእ እያ፤ እታ ናይ ቀደም ግዝኣት፥ መንግስቲ ጓል ኢየሩሳሌም ክትመፅእ እያ።
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤል፥ ኣይብድሉን ኣይሕስዉን እዮም፤ ኣብ ኣፎምውን ተንኰለኛ መልሓስ ኣይርከብን። ክዋፈሩን ክዓርፉን እዮም፤ ዘፍርሖም ድማ ኣይህሉን።”
“በታ እዋን እቲኣ፥ ኵሎም ኣህዛብ ብሓባር ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸገልግልዎን፥ ስሙውን ምእንቲ ኽፅውዑን፥ ንፁህ ልሳን ክህቦም እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።
ሙሴ ድማ የመና ተቘጢዑ ንእግዚኣብሄር፥ “መስዋእቶም ኣይትቀበል፤ ካብኣቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፤ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን” በሎ።
እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።