25 ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ።
ንዅሎም ሓጢኣተኛታት ምድሪ፥ ከም ጐሓፍ ትጕሕፎም፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ፈተኹ።
ብሩርኪ ናብ ምምራት ተለወጠ፤ ወይንኺውን ምስ ማይ ተሓዋወሰ።
እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።
እቲ መናፍሕ ይነፍሕ፤ እቲ ዓረር ብሓዊ መኸኸ። እቶም ክፉኣት ካብ መንጎኣቶም ስለ ዘይተፈልዩ ኸዓ ንህዝበይ ምንፃህ ከንቱ እዩ።
እትነብረሉ ዘለኻ ኣብ ማእኸል ጥበራ እዩ፤ ብሰንኪ ጥበራኦም ድማ፥ ክፈልጡኒ ኣይደለዩን፤ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ህዝበይ ኣነ ኣምላኾም ምዃነይ፥ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል ኣሎ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤ ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥ ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?
ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵልኻትኩም ሓተላ ኢኹም እሞ፥ ስለዙይ እንሆ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ክእክበኩም እየ።
ከምቲ ኽመክኽ ኢሎም፥ ሓዊ ምእንቲ ኽነፍሑሉ ንብሩርን ነሃስን ሓፂንን ዓረርን ቈርቆሮን፥ ኣብ ማእኸል እቶን ዝእክብዎ፥ ከምኡ ኸዓ ብቝጥዓይን ብመዓተይን ክእክበኩምን፥ ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ።
ከምቲ ብሩር ኣብ ማእኸል እቶን ዝመክኽ፥ ከምኡ ኣብ ማእኸላ ኽትመኩ ኢኹም፤ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ቍጥዓይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።”
በታ እዋን እቲኣ፥ ኣነ ነቶም ዕቡያት ካብ ማእኸልኪ ኸውፅኦም እየሞ፥ ንስኺውን ድሕሪ ደጊም ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣባይ ኣይትዕበዪን ኢኺ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይትሓፍሪን ኢኺ።
ንሱ ኸምቲ ንብሩር ዝዅልዕን ዘፅርን ሰብ ክቕመጥ እዩሞ፥ ንሌዋውያንውን ኣንፂሁ ኸም ወርቅን ከም ብሩርን ከፅርዮም እዩ። ንሳቶምውን ብፅድቂ ንእግዚኣብሄር ቍርባን ዘቕርቡ ክኾኑ እዮም።
ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”
“ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፥ ንመፃርርቱ ሕነ ኽፈዲ፥ ንምድሩ፥ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፥ ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”
ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።