23 ገዛእትኺ ሸፋቱን ኣዕርኽቲ ጐሓሉትን እዮም፤ ኵሎም ጉቦ ይፈትዉ፤ ደድሕሪ ጉቦውን ይጐዩ፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ጥርዓን መበለት ከዓ ኣብኣቶም ኣይበፅሕን እዩ።
ኵሎም መራሕቲ ኻህናትን ህዝብን ድማ ኸምቶም ኣረማውያን ጣዖት ብምምላኽ ብዙሕ በደሉ። ነታ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ ቤተ መቕደስውን ኣርከስዋ።
“ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል።
ሓጥእ፥ መንገዲ ፍትሒ ንምቕይናን፥ ካብ ሕቝፊ ጉቦ ይቕበል።
እቲ ምስ ሰራቒ ዝሓብር፥ ንነፍሱ ይፀልኣ፤ መርገምውን ይሰምዕ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይገልፅን።
ሰናይ ምግባር ተምሃሩ፤ ፍትሒ ድለዩ፤ ንግፉዕ ርድኡ፤ ንደኽታማት ፍትሒ ኣውፅኡሎም፤ ንመበለታት ተጣበቑለን።”
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
ብሩርኪ ናብ ምምራት ተለወጠ፤ ወይንኺውን ምስ ማይ ተሓዋወሰ።
ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
እግዚኣብሄር ነቶም ዓበይቲ ህዝቡን ኣሕሉቕን ይፈርዶም፤ “ኣታኽልቲ ወይኒ ዝበላዕኹም ንስኻትኩም ኢኹም፤ ካብ ድኻታት ዝወረርኩምዎውን ኣብ ገዛኻትኩም ይርከብ።
ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።
እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥
ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም!
ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።
ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።
እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ብዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣት ኣቘጥዑኒ።
ንኣይ ስለ ዝተፃረረት፥ ከም ሓለውቲ ግራት ኮይኖም ብዅሉ ወገና ይኸብዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ስለዙይ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፥ ንሳቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን፥ ሕጊ ኣምላኾምን ዝፈልጡ እዮም እሞ፥ ክነግሮም” በልኩ። ግና እዚኣቶምውን ሓቢሮም ኣርዑት ሰበሩ፥ መእሰሪውን በተኹ።
በደሎም መጠን የብሉን፤ ጥልመቶም ከዓ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ስለዙይ ኣንበሳ ካብ ዱር ወፂኡ ይሰብሮም፤ ተዅላ በረኻ ድማ የጥፍኦም፤ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም የድቢ፤ ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንስኻ ኣብ ማእኸል ቤት ዓመፅቲ ትነብር ኣለኻ፤ ዓመፅቲ ቤት እዮም እሞ፥ ንምርኣይ ኣዒንቲ ኣለዎም፤ ግና ኣይሪኡን፤ ንምስማዕ ከዓ ኣእዛን ኣለዎም፤ ግና ኣይሰምዑን።”
ኣሕሉቓ ኣብ ውሽጣ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፥ ደም እናፍሰሱ ንነፍሳት እናጥፍኡ፥ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም።
ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፤ ምንዝርናውን የብዝሑ ኣለዉ፤ ኣሕሉቓ የመና ነውሪ ፈተዉ።
“ኣሕሉቕ ይሁዳ፥ ከምቶም ወሰን ዝደፍኡ ሰባት እዮም እሞ፥ ኣነውን ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ማይ ከፍስስ እየ።
ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም።
ኣነስ በደልኩም ብዙሕ፥ ሓጢኣትኩም ከዓ ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ፃድቕ ተጨንቕዎ፤ ጉቦውን ትቕበሉ፤ ነቲ ምስኪን ኣብ ደገ ኣደባባይ ትገፍዕዎ ኣለኹም።
ኣሕሉቓ ብጉቦ ይፈርዱ፤ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፤ ነቢያታ ብገንዘብ ይጥንቍሉ፤ ምስ ናይ እዙይ ከዓ “እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእኸልና ኣይኮነን? መዓት ኣይወርደናን እዩ” እናበሉ፥ ብእግዚኣብሄር ይእመኑ።
ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።
እቶም ሃብታማታ ግፍዒ ዝመልኡ እዮም፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ሓሰውቲ እዮም፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም መታለሊት እያ።
ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።
ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ምድያምን ድማ ንጥንቍልና ዝኽፈል ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፤ ናብ በለዓም መፂኦም ከዓ ቓል ባላቅ ነገርዎ።
“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕቲ ገበርኩምዎ” በሎም።
“ ‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ’ ዝብልዶ ተፅሒፉ የለን እዩ? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ኸተርቲ ገበርኩምዎ” በሎም።
“ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ክበሃል እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገበርኩምዎ” እናበለ ኸውፅኦም ጀመረ።
ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።
ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ።
እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ንባዕልኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ፥ ወለዲ ንዘይብሎም ቈልዑን መበለታትን፥ ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።
እቶም ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ናብ ስስዕና ደኣ ዘምበሉ፤ ጉቦ እናተቐበሉውን ፍርዲ የቐይንኑ ነበሩ።