21 እታ ፍትሒ መሊእዋ ዝነበረ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኣመንዝራ ኾነት! ቀደም ፍትሒ ዝነበራ፥ ሓቂውን ዝመልኣ ነበረት፤ ሕዚ ግና መሕደሪ ቐተልቲ ነፍሲ ኾነት።
ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።
ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዘዞም፦ “ከምኡ ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ብቕንዕናን ብፍፁም ልብን ግበሩ።
እቶም መራሕቲ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና፥ ከካብ ዓሰርተ ስድራ ሓደ ስድራ ኣብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክቕመጡ፥ እቶም ትሽዓተ ኢድ ከዓ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ክቕመጡ ዕፃ ኣውደቑ።
ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።
እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ኣብ ከተማ ኣምላኽና ኣብታ ቕድስቲ እምባ፥ ምስጋናኡ ብዙሕ እዩ።
ከምቲ ሰሚዕናዮ ዝነበርና፥ ከምኡ ረአና፤ ኣብታ ኸተማ ጐይታ ሰራዊት፥ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከፅንዓ እዩ።
ብሩርኪ ናብ ምምራት ተለወጠ፤ ወይንኺውን ምስ ማይ ተሓዋወሰ።
ንኽፉእ እንተ ራህራህኻሉ ፅድቂ ኣይመሃርን፤ ቅኑዓት ኣብ ዝነብሩሉ ምድሪ ኽፍኣት ይገብር፤ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይሪኦን።
ብስም ተቐማጦ እታ ቕድስቲ ኸተማ ዝተፀዋዕኹም፥ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት ብዝብሃል ኣምላኽ እስራኤል እትድገፉ፥ ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ።
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣብ ርሑቕ ቆመ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩሞ፥ ቅንዕናውን ክኣቱ ኣይከኣለን።
ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።”
ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ።
ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር።
ኤፍሬም ብሓሰት፥ ቤት እስራኤል ድማ ብተንኰል ከበበኒ፤ ይሁዳ ኸዓ ምስቲ እሙን ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣይፀንዕን።
እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።
ስለዙይ ሕጊ ላሕለሐ፤ ፍትሒውን ኣሰኒፉ ኣይወፀን። ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፥ ፍርዲ ቀይኒኑ ይወፅእ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ፅዮን ተመሊሰ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብር እየ። ኢየሩሳሌም ድማ ኸተማ ሓቂ ኽትበሃል እያ። እቲ እምባ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ቅዱስ እምባ ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ካብ ነቢያትከ፥ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም፥ ነቶም ብዛዕባ ምምፃእ እቲ ፃድቕ፥ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቐተልዎም፤ ሕዚ እውን ንስኻትኩም፥ ነቲ ፃድቕ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ቐተልኩምዎ።
ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥
እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕፅሪ ግና፥ ንኣህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣህዛብ ከዓ፥ ነታ ቕድስቲ ኸተማ፥ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግፅዋ እዮም።
ንሬሳኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዝተሰቕለላ ዓባይ ከተማ፥ ከንብሮ እዩ። ንሳ ብመንፈሳዊ ምሳሌ፥ ሰዶም ወይ ግብፂ እትብሃል እያ።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤