2 እግዚኣብሄር ተናጊሩ እዩሞ፥ ኣቱም ሰማያት ስምዑ! ኣቲ ምድሪ እውን ፅን በሊ! ውሉድ ወለድኩን ኣዕበኹን፥ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ዓመፁ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሓደገ፤ ብመንገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን።
ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩውን፥ ኵልኻትኩም ፅን በሉ፤
ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማይን፥ ምድሪ እውን ብህዝቡ ንምፍራድ ክፅውዕ እዩ።
ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።
ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።
“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ።
ኣቱም ኣህዛብ፥ ክትሰምዑ ቕረቡ! ኣቱም ህዝብታት ፅን በሉ፤ ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን እቲ ዅሉ ኻብኣ ዝወፅእን ይስማዕ።
ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።
ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ ስምዑ፥ ፅን በሉ፤ ኣይትተዓበዩ።
ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ!
ኣቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ከሕውየኩም እየሞ፥ ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፤ ንስኻትኩም እንሆ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻሞ፥ እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና።
እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።
ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ።
ነቶም ከዳዕ ቤት፥ ምስላ ንገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድስቲ ሰኽትት፤ ሰኽትቶ ማይ ድማ ግበረሉ።
ስለዙይ ኣቱም እምባታት እስራኤል ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእምባታትን ንዀረብታታትን ንሩባታትን ንሽንጥሮታትን፥ ንዝባደመ ዑናታትን፥ ነተን እተሓድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያአን ዝተረፉ ኣህዛብ፥ ንዘመተን ንባጫን ኮይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዙይ ይብል።”
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦
ብዘመን ኢዮኣታምን ኣካዝን ሕዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፥ ብዛዕባ ሰማርያን ኢየሩሳሌምን ሞሬታዊ ሚክያስ ዝረኣዮ ናብኡ ኸዓ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም፥ ስምዑ፤ ምድሪ እውን ብምልእታ ትስማዕ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ንሱውን እቲ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ልዕሌኹም ይመስክረልኩም።
ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፥ ንእስራኤል ከዓ ሓጢኣቱ ኽነግር፥ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ሓይልን ፍርድን ትብዓትን ተመሊአ ኣለኹ።
ኣቱም ስመይ እተቃልሉ ኻህናት፥ “ውሉድ ነቦኡ፥ ባርያውን ንጐይታኡ የኽብር እዩ፤ እምበኣር ኣቦ እንተ ኾይነ፥ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ? ጐይታ እንተ ኾይነኸ፥ ተፈራሕነተይ ኣበይ ኣሎ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፥ “ስምካ ዘቃለልናዮ ኸመይ እዩ?” ትብሉ ኣለኹም።
ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።
ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።
“ህይወትን ሞትን፥ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘለኹ፥ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም። እምበኣር ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ህይወት ምረፁ።
“ክዛረብ እየ እሞ፥ ሰማያት ፅን በሉ፤ ምድሪ ኸዓ ቓል ኣፈይ ትስማዕ።
ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።